ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዱብ ጥዕና ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ዝርግሓ ሕማማት ይውስኽ ምህላው ኣጠንቂቑ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብዝተወለዐ ጎንፂ ምኽንያት ዝተቋረፀ ኣገልግሎት ትካላት ጥዕና ንሞት ከሳጥሑ ዝኽእሉ ሕማማት ከስዕቡ ይኽእል እዩ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፌደራል ሓይልታት ኢትዮጵያን ይካየድ ብዘሎ ኲናት ምኽንያት ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዕንቅፋት ፈጢሩ ኣሎ ።ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሮ ልዕሊ 4.5 ዝኾኑ ሰባት ሓገዝ የድሊዮም ኣሎ ። ካብዚኦም እቶም ፍርቂ ህፃናት እዮም ።

ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት ወሃብቲ ሓገዝን ክንቀሳቀሱ ዝተፈቅደሎም ከባቢታት ኣዝዩ ውስን 'ዩ ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ከባቢ ዝበፅሑ ሰበስልጣናት ውድብ ጥዕና ዓለም መብዛሕትኦም ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ዝተወሰነ ኣገልግሎት ጥራሕ ከምዝህቡ ፣ ሰብ ሞያ ጥዕና ከምዝተፈናቀሉን ኣድለይቲ ዝበሃሉ ኣገልግሎታት ጥዕና ከም እተቋረፃን ተዛሪቦም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG