ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዱብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ክታበት ክኸላኸሎም ዝኽእል ሕማማት ዳግማይ ብብዝሒ ይረኣዩ ምህላዎም ኣፍሊጡ


ኣብ ኣፍሪቃ ኽታበት ክከላኸሎም ዝኽእሉ ሕማማት ብሃንደበት ብብዝሒ ዳግማይ ይርኣዩ ምህላዎም ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ ወርሓት ጥሪን መጋቢትን እዚ ዓመት ኣብ ኣፍሪቃ ዳርጋ 17,500 ብሕማም ንፍዮ ዝተታሕዙ ሰባት ከምዝተመዝገቡ ዝገለጸ ውድብ ጥዕና ዓለም እዚ ምስቲ ናይ 2021 ዓ.ም ክነጻጸር ኸሎ ብ 400% ወሰኽ ዘርኣየ ኾይኑ'ሎ።

20 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ንፍዮ ብብዝሒ ከም ዝተራእየን ተፈሊጡ'ሎ። እዚ ካብቲ ኣብ ተመሳሳሊ 2021 ዓ.ም ዝነበራ ክረኣ ኸሎ ሸሞንተ ሃገራት ተወሰኽቲ ኮይነን ኣለዋ ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ዘይምዕሩይ ቀረብ ክታበትን ለበዳ ኮቪድ19 ዝፈጠሮ ምትዕንቃፋትን ድኹም ስርዓተ ክንክን ጥዕናን ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ስሩዕ ናይ ክታበት ምሃብ ከይዲ ከም ዝገትአ ገሊጹ፥ ንህጻናት ብቅልጡፍ ካብ ሕማማት ንምክልኻል ወፍሪ ክታበት ምስ ክታበት ኮቪድ19 ተዛሚዱ ክወሃብ የድሊ ኢሉ'ሎ።

XS
SM
MD
LG