ዋሽንግተን —
ውዱብ ጥዕና ዓለም ሓዱሽ ምትእትታው ቫይረስኮሮና ኣብ ዝረኣየሉ ሕጂ እዋን ፃዕርታት ክታበት ኮቪድ 19 ኣውሮጳ ‘'ተቐባልነት ብዘይብሉ ደረጃ ዝተሓተ እዩ’' ኢሉ።
ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዳይረክተር ኣውሮጳ ዶክተር ሃንስ ክሉግ መራሕቲ እታ ክፍለ ኣህጉር መስርሕ ምፍራይ መድሃኒት ከሳልጡ፣እቲ ክታበት ንምሃብ ዘለው ዕንቅፋታት ክንክዩን ኣብ መኽዘን ዝርከብ ነፍሲ ወከፍ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ 19 ኣብ ረብሓ ከውዕሉን ፀዊዖም ኣለው።
ፀብፃብ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ መላእ ኣውሮጳ ቅድሚ ሓሙሽተ ሰሙናት ብዝሒ ናይ ዝልከፉ ሰባት ትሕቲ ሓደ ሚሊዮን ወሪዱ ከምዝነበረ ብምግላፅ ሕጂ ግን ናብ 1.6 ሚሊዮን ደዩቡ ኣሎ ይብል ። ብዝሒ ሞት ድማ ኣስታት 24 ሽሕ በፂሑ ኣሎ።