ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዱብ ጥዕና ዓለም ናብ ትግራይ መድሃኒት ክሰድድ ፍቓድ ከምዘይረኸበ ይገልጽ ፥ መንግስቲ ግን ነቲ ክሲ ይነጽግ


ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ክልል ትግራይ መድሃኒት ክሰድድ ፍቃድ ክረክብ ከምዘይከኣለ ገሊጹ። ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፍርን ግን ክሰድድ ፍቃድ ከምዝረኸበ ገሊጹ'ሎ።

ነዚ ዝገለጹካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ዶ/ር ማይክ ርያንን ብቪድዮ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ኮይኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ፍቃድ ሓቲቶም ግን ከምዘይተወህቦም ገሊጾም እለዉ።

ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ዶ/ር ማይክ ርያንን ብቪድዮ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሰባት ብህይወት ክነብሩ ዘድልዮም ነገራት ምኽልኻሎም ክትሓስቦ ዘጸግም እዩ ኢሎም። ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብቲ መግለጺኦም 7 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደ ዓመት ሙሉእ ኣብ ዕጽዋ እዩ ዘሎ መግቢ: ሕክምና: መድሃኒት ዝኣመሰሉን ቀረባት ኣይረክብን ዘሎ ኢሎም። ዶ/ር ማይክ ርያን ብወገኖም እዚ ተግባር ንሰብኣዉነት ጸርፊ እዩ ኢሎም'ለዉ።

ነዚ ብዝምልከት መንግስታዊ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ መግለጺ ውድብ ጥዕና ዓለም ንፕሮፖጋንዳ ህወሓት ዘቃለሐ እዩ ኢልዎ እሎ። እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ መግለጺኡ መንግስቲን ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምትሕብባር ትካላት ረድኤት 1010 ረድኤት ዝሓዛ ናይ ጽዕነት መኻይን ናብ ትግራይ ኣእትዮም እዮም ኢሉ: ግን ህወሓት ናብ ትግራይ ዝኣተዋ መኻይን ሰራዊቱ ንምግዕዓዝ ተጠቂሙለን ክብል ኸሲሱ'ሎ።

ኣመራርሓ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን በብወገኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኸኣ ውድብ ጥዕና ዓለም ጠጠዉ ንዝበለሉ ሰብኣዊነትን ገለልተኝነትን ኣይተገዝአን ክብሉ ነቲ ውድብ ነቒፎም'ለዉ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG