ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዱብ ጥዕና ዓለም: ትካላት ጥዕና ግጭት ዘለዎ ከባቢ መጥቓዕቲ የጋጥሞም ከምዘሎ ገሊጹ


ሰብ ሞያ ጥዕና ንምዕጻው ባብ ኣልዋ ትካል ጥዕና ስዒቡ ዘካየድዎ ተቓውሞ- ፋይል
ሰብ ሞያ ጥዕና ንምዕጻው ባብ ኣልዋ ትካል ጥዕና ስዒቡ ዘካየድዎ ተቓውሞ- ፋይል

ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ 2018 ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ግጭት ኣብዘለወን ሃገራት ልዕሊ 700 ሰራሕተኛታት ጥዕናን ሕሙማትን ተቐቲሎም፣ ልዕሊ 2,000 ድማ ቆሲሎምን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ትካላት ጥዕና ዓንዮምን ክብል ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣የመን፣ሶሪያ፣ሞዛምቢክ፣ብሓይሊ ዝተታሓዘ ግዝኣታት ፍልስጤምን መይንማርን ሓዊሱ ብግጭት ይሕመሳ ኣብዘለዋ ሃገራት ንሰለስተ ዓመታት መፃናዕትን ትንታነን ተኻይዱ ኣሎ።

እቲ መረዳእታ ከምዝሕብሮ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ጥዕና መጥቓዕታት ምቕፃሉ እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብዚ ዓመት ኣብ 14 ሃገራት 588 ፍፃመታት ኣጋጢሙ፣ 114 ሞትን 278 መቑሰልቲን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታትን ሓካይምን ምግጣሙ ገሊጹ'ሎ።

XS
SM
MD
LG