ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዱብ ጥዕና ዓለም ቁጽሪ መልኸፍቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ንታሽዓይ ተኸታታሊ ሰሙን ብምውሳኹ ሻቅሎቱ ገሊጹ'ሎ


ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዙሪያ ዓለም መልከፍቲ ኮቪድ 19 ንተኸታታሊ ታሽዓይ ሰሙን ሞት ድማ ንሻድሻይ ሰሙን ከምዝወሰኸ ትማሊ ሓሙስ ንዝተኻየደ ኣኼባ ኣባል ሃገራት ገሊጾም።

ዶ/ር ቴድሮስ "ዋላ እተን ምንካይ ዘርእያ ዘለዋ ሃገራት እንተኾና እውን ሕጂ ሓለዋታትና ትሕት ነብለሉ እዋን ኣይኮነን’’ ኢሎም።

ኣብ ህንዲ እቲ ለበዳ ኣዚዩ እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎን ናይታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስትር ናረንድራ ሞዲ ነቲ ለበዳ ንምቁፅፃር ናይ ምዕፃው እገዳታት ክእውጁ ድፊኢት ይግበረሎምን ኣሎ።

ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዓለም 155.6 ሚሊዮን ብኮሮናቫይረስ ዝተታሓዙ ክኾኑ ከለው ኣሜሪካ 32.6 ሚሊዮን ቀዳመይቲ : ህንዲ 21 ሚሊዮን ካልአይቲ: ብራዚል ድማ 15 ሚሊዮን ሳልሰይቲ ብምምዝጋብ ብቐዳምንት ተሰሪዓን ይርከባ።

XS
SM
MD
LG