ዋሽንግተን —
ውድብ ጥዕና ዓለም መቦቀል ቫይረስኮሮና ብዝምልከት ዝቐረበ ሪፖርት ተወሳኺ መፅናዕታትን መረዳእታን የድልዮ'ዩ ኢሉ።
ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ኣብቲ ዝቐረበ መረዳእታ ምሉእ ገምጋም ዝተውሃበ እንተኾነ እውን ምንጪ ናይቲ ቫይረስ ኣይረኸብናን ኢሎም።
ዶ/ር ቴድሮስ ምንጪ ናይቲ ቫይረስ ንምምርማር ናብ ቻይና ዝተለኣኸ ጉጅለ ውድብ ጥዕና ዓለም ጥረ መረዳእታ ንምርካብ ዘጋጠሞም ፀገም ገሊፆምለይ ኣለው ኢሎም ።
ንሶም እቲ ቫይረስ ናብ ሰብ ዝተበተነሉ ብናይ መግቢ ሰንሰለት ወይ ብናይ ዱር ወይ ብእንስሳ ዘቤት ዝብልንምርግጋፅ ተወሳኺ መፅናዕትን መረዳእታ የድሊ እዩ ኢሎም ።