ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውሳነ ፓርላማ ፈረንሳ ንገበን ምጽናት ዓሌት ኡሁራዊያን ንቻይና የቖጥዕ


ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ኡሁራዊያን
ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ኡሁራዊያን

ፓርላማ ፈረንሳ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ቻይና ኣብ ልዕሊ ዓሌት ኡገርስ ተከተልቲ እምነት እስልምና ዜጋታታ ገበን ምፅናት ዓሌት ፈፂማ ክብል ንዘሕለፎ ውሳነ ቻይና ነፂጋቶ። እዚ ውሳነ ክረምታዊ ውድድራት ኦሎምፒክ ክካየድ ክልተ ሰሙን ኣብ ዝተረፎ እዋን ዝተላዕለ ብምዃኑ ንርክብ ክልቲኣን ሃገራት ከሐርፍፎ ይኽእል'ዮ ይበል ጸብጻብ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ።

እቲ ብፓርላማ ፈረንሳ ዝተዋህበ ውሳነ ነቲ ቅድም ክብል ብምዕራባውያን ሃገራት ክቀ፟ርብ ዝፀንሐ ቻይና ከባቢ ሓደ ሚልየን ዝኾኑ ኡሁራውያን ብኣስገዳድ ኣብ ካምፕታት ናይ ጉልበት ስራሕ ብምዕፃው “ህዝባዊ ሪፐብሊክ ቻይና ኣንፃር ሰብኣዊነት ዝፍፀምን ገበን ምፅናት ዓሌትን ፈፂሙ" ንዝብል ክሲ ዘራጎደ እዩ ።

ሃገራዊ ዋዕላ ፈረንሳ ነቲ ፓርላመንታት ካናዳ ፣ ኔዘርላንድስ ብሪጣንያን ቤልጂየምን ኣፈፀምቲ ሕግታቶም ከውፅእዎ ዝፀንሑ ተመሳሳሊ ውሳነ ዝተፀምበረት ኮይና ፤ መንግስቲ ኣመሪካ ቻይና አብ ምዕራባዊ ዢንጅያንግ ምፅናት ዓሌት ፈፂማ ክብል ብዕሊ ክኸስስ ምፅንሑ ዝፍለጥ እዩ ።

ይኹን ድኣምበር ቻይና ከምዚኦም ዝበሉ ክስታት ክትነፅጎም ጸኒሓ እያ ። ንውሳነ ኣውፃእቲ ሕጊ ፈረንሳ ዝሃበቶ ምላሽ እውን ተመሳሳሊ እዩ ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዛሃኦ ሊጂያን ብተደጋጋሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ “ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፈረንሳ ንዥንጂያንግ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ውሳነ ነቲ ሓቂን ሕጋዊ ጭብጥታትን ንጎኒ ሓዲጉ ብቅ፟ሉዕ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ቻይና ኢድ ንምእታው ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ እዩ ።ነዚ ድማ ቻይና ብፅኑዕ ትቃወሞ" ኢሎም ።

እዚ ጉዳይ ኣብ ፈረንሳ ብታሕተዋይ ቤት ምኽሪ ፓርላማ ዝቀ፟ረበ ኮይኑ ብፓርቲ ፕረዚደንት ኢማኑዌል ማክሮን ሪፐብሊክ ኦን ዘ ሙቭ ድጋፍ ረኺቡ እዩ ።

መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ቻይና ክልል ዢንጃንግ ውሑዳን ዓሌት ንምድሓን” ምስ ማሕበረሰብ ዓለምን ንህዝባዊ ሪፐብሊክ ቻይና ዝሰርሓሉ ደጋዊ ፖሊሲኡ ተጠቂሙ ኣድላይ ስጉምቲ ክወስድ” ፀዊዑ ።

ቻይና ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ብተደጋጋሚ ነቲ ኸባቢ ንክበጽሕ ንዝቀረበላ ሕቶ ክትቃወሞ ምፅናሓ ዝዝከር እዩ ።

ነቶም ብምዕራባውያን ክቀ፟ርቡ ዝፀንሑ ካምፕታት ናይ ኣስገዳድ ስራሕቲ ጉልበት ኣለዉ ዝብሉ ብኣብ ደገ ዝነብሩ ኡሁራውያን ንዝቀ፟ርቡ መሰኻኽራት ሓሰውቲ ክትብል ከተፀልሞም ድሕሪ ምፅናሕ ድሓር ድማ ኣኽረርቲ እስላማውያን ንምቁፅፃር ዝጥቀመሉ መሰልጠኒ ማእከል እዩ ምምባላ ዝዝከር እዩ ።

XS
SM
MD
LG