ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውሳነ ፈደራል ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ንጉዳይ  መንግስቲ ክልል ትግራይ


ናይ ኢትዮጵያ ፈደራል ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ምዱብ አኼብኡ ፈደራል መንግስቲ ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ርኽብ ንከይህልዎ ውሳነ አሕሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ብዝምልከት ሰለስተ ውሳነታት ኣሕሊፉ’ሎ።

  1. ፈደራል መንግስቲ:መንግስቲ ክልል ትግራይ ድሕሪ ዘካየዶ ዘይሕገ-መንግስታዊ ምርጫ ንደሓር ዝተመስረቱ ናይቲ ክልል ቤት ምኽሪን ፈጻሚ አካልን ዝኾነ ይኹን ርክብ ከምዘየካይድ ወሲኑ’ሎ።
  2. ፈደራል መንግስቲ ንድልየት መሰረታዊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ዘማእከለ ንምምሕዳር ቀበሌን ከተማን ሓዊሱ ኣብቲ ክልል ምስ ዝርከቡ ናይ ሕጊ አካላት ጥራይ ርክብ ከምዘካይድ አመልኪቱ’ሎ።
  3. ተግባራዊነት’ቲ ውሳነ ብወሃቢ ቃል ፈደራል ቤት ምኽሪን እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ነባሪ ኮሚቴታት ምክትታል ክግበረሉ ውሳነ አሕሊፉ’ሎ።

እዚ ውሳነ ፈደራል ቤት ምኽሪ ኣብቲ ነሓሰ 30,2012 አካይድዎ ዝነበረ ናይ ህጹጽ እዋን አኼባ ዝተወሰነ ምዃኑ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ ከምዘይተኻየደ; ከምዘይተፈጸመን ከምዘይጸንዕን ውሳነ ምትሕልላፉ ኣዘኻኺሩ።

XS
SM
MD
LG