ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውሳነ ምብራር ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል የከራኽር ኣሎ


ቐዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሑሴን ሮብለ
ቐዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሑሴን ሮብለ

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ንቐዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሑሴን ሮብለ ብልሽውናን ልዕሊ ደረት ስልጣኖም ከይዶም ብዝብል ክሲ ካብ ስልጣን ከም ዘባረሮም ይፍለጥ። እቲ ተግባር ግን ኣብ መንጎ ክልተ መራሕቲ ንዘሎ ወጥሪ መሊሱ ኣጋዲዱዎ። ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካን ካልኦት ኣካላትን ግን ድጋፎም ንቐዳማይ ሚኒስተር ከም ዘሎ’ዮም ኣመልኪቶም። ኣባል ባይቶ ኣመሪካን ሶማሊያዊት ኣመሪካዊት ኢልሃን ዑመር’ውን ፕረዚደንት ፋርማጆ ክሳብ’ቲ ምርጫ ዝግበር ካብ ከምዚ ዝመስል ተግባራት ካብ ምውሳድ ክቝጠቡ ጸዊዓ ኣላ።

ድሕሪ’ቲ ናይ ምብራር ስጕምቲ፡ ንሕጋውነትን ደረት ስልጣን እቶም ፕረዚደንት ኣካታዒ ኣርእስቲ ኰይኑ ኣሎ። ተንታኒ ኵነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ካብ ኣገልግሎት ቋንቋ ሶማል ድምጺ ኣመሪካን ዝዀነ ሃሩን ማዕሩፍ፡ ከም ዝሕብሮ ቅዋም ሶማል ኣብዚ መዳይ ኣዝዩ አካታዒ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ከም መሰረት ሓበሬታ ሃሩን፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንቐዳማይ ሚኒስተር ክሸይም መዝነት ደኣ ይሃሉዎ’ምበር፡ ንምውራድ ግን ንባይቶ እታ ሃገር ዝግደፍ ምዃኑ ይሕብር።

ከም መግለጺ ጋዜጠኛን ተንታኒን ሃሩን ማዕሩፍ፡ ምርጫ እታ ሃገር ድሕሪ ምንዋሑ፡ ኣብዚ እዋን ሶማል ኣብ መሰጋገሪ ግዜ ስለ ዘላ ኵላቶም ዝተጠቕሱ ኣካላት ነቲ ዝመስል ተግባር ክወስዱ ከም ዘይክእሉን ቅዋም እታ ሃገር ድማ ኣብዚ መዳይ’ዚ ንጹር መልሲ ከም ዘይብሉን ይሕብር።

XS
SM
MD
LG