ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውሳነ ምቋም ፍሉይ አካል ኣብ መርመራ ሰነዳት ትራምፕ ንካልእ እዋን ተመሓላሊፉ


ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ፌደራል ቤት ዕዮ ገበናት ማለት FBI ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ገዝኦም ኣብ እዋን ፍተሻ ዝሓዞ ሰነዳት ብነጻ ኣካል ክምርመር ዘቅረብዎ ጥርዓን ብዝምልከት ሓደ ፌደራል ዳኛ ብይን ናይ ምሃብ ከይዲ ንኻልእ እዋን ኣመሓላሊፎምዎ።

ጠበቓታት ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉይ ኣካል ቆይሙ ካብቲ ዝተታሕዘ ሰነዳት ናብቶም ፕረዚደንት ክምለስ ዝኽእል ሰነዳት እንተሃልዩ ንክውስን ንዳኛ ቤት ፍርዲ ወረዳ ደቡባዊ ፍሎሪዳ ኣሊን ካነን ምሕታቶም ይዝከር።

ፌደራል ቤት ፍትሒ ኣመሪካ ነቲ ሕቶ ተቃዊሙ ነቲ ሰነዳት ባዕሉ ብመርመራ ከምዝገምገሞ ገሊጹ: ከምኡ ዝበለ ኣካል ምቋም ነቲ ትራምፕ ምስጢራዊ ሰነዳት ከመይ ከም ዝሓዝዎ ዝግበር ምርመራ ዘደናጉይ እዩ ኢሉ።

ምስቶም ሰነዳት ብዝተተሓሓዘ ተግባር ስለላ እተተፈጺሙ ወይ'ውን ንሃገራዊ ድሕነት ዝምልከቱ ዝጠፍኡ ሰነዳት እንተሃልዮም ፌደራል ቤት ዕዮ ገበናት ማለት FBI መርመራ የካይድ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG