ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውሩይ ፓኪስታናዊ መርማሪ ጋዜጠኛ ኣብ ኬንያ ተቐቲሉ


ፓኪስታናዊ መርማሪ ጋዜጠኛ አሻድ ሸሪፍ- ፋይል
ፓኪስታናዊ መርማሪ ጋዜጠኛ አሻድ ሸሪፍ- ፋይል

ውሩይ ፓኪስታናዊ መርማሪ ጋዜጠኛ ኣብ ኬንያ ተቐቲሉ።ፖሊስ ኬንያ ነቲ ሞት ብምርግጋፅ እቲ መቕተልቲ "ብግጉይ መንነት እዩ’’ ተፈፂሙ ክብል ገሊፁዎ ኣሎ።

50 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣርሻድ ሻሪፍ መራሕ መኪንኡ ፖሊስ ዘንበሮ ናይ መኪና ከይትሓልፍ ምልክት ድሕሪ ምጥሓሱ ትማሊ ሰንበት ኣብ ርእሱ ብጥይት ተወቒዑ ከምዝተቐትለ ዘ ስታር ዝተባህለት ፍልጥቲ ጋዜጣ ኬንያ ጸብጺባ ኣላ።

እቲ ዝተቐተለ ጋዜጠኛ ክልተ ሚሊዮን ናይ ጸብጺባ ተኸተልቲ ነይሮምዎ።ናይ ሞት ምፍርራሕ ስለዘጋጠሞ ኣብ ነሓሰ ካብ ፓኪስታን ሃዲሙ ከምዝመፀ ዝተሓበረ ኮይኑ ኣብ ልዕሊኡን ካልኦትን ጋዜጠኛታትን ኣሰሓሐብቲ ናይ ቤት ፍርዲ ክስታት እውን ተመስሪትዎም ምንባሩ ተፈሊጡ ኣሎ።

ቅድሚ ናብ ኬንያ ምህዳሙ ኣብ ሓደ ፍሉጥ መደበር ቴሌቭዥን ውሩይ ፖለቲካዊ መደብ ወይ ሾው ነይሩዎ።

ሞቱ ምስ ተሰምዐ ኣብ መላእ ፓኪስታን መግለፅታት ሓዘንን ኩነኔን ይውሕዝ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።መንግስቲ ፓኪስታን ምርመራ ክካየድ ዝሓተተ ክኸውን ከሎ ቀዳማይ ሚንስተርእታ ሃገር እውን ብትዊተር ኣቢሎም ሓዘኖም ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG