ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድምጻዊ ገ/እግዚኣብሄር ገ/ፃዲቕ ዓሪፉ


ድምፃዊ ገ/እግዚኣብሄር ገ/ፃዲቕ
ድምፃዊ ገ/እግዚኣብሄር ገ/ፃዲቕ

ገሬ ሃሎ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ድምፃዊ ገ/እግዚኣብሄር ገ/ፃዲቕ ኣብ 66 ዓመቱ ትማሊ ሓሙስ ሃንደበት ከም ዝዓረፈ ቀረብቱ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ድምፃዊ ገ/እግዚኣብሄር ባህላውን ዘመናውን ደርፍታት ዝሓዛ ልዕሊ 10 ካሴታት ዘሕተመ ኰይኑ፡ ብፍላይ ድማ “ሃሎ እናበልኩ ስራሐይ ረሲዐዮ” ብዝብል ዜምኡ ኣዝዩ ይፍለጥ።

ኣብ ዓዲግራት ተወሊዱ ዳሕራይ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ንሙዚቃ ብሞያ ከም ዝሓዞ ናይ ጥበብ ብጾቱ ዝዛረቡሉ ገ/ሄር፡ ቅድሚ ሞቱ’ውን ሓደስቲ ስራሓት ኣብ ምድላው ምንባሩ መቕርቡ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣርቲስት ገ/እግዚኣብሄር ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስመፀ ናይ መወዳእታ ካሴቱ ዘሕተመ ኣብ 1992 ዓ.ም እዩ ነይሩ። እቲ ኣርቲስት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቦናኔ ኣብ ዝብሃል ክለብ ን14 ዓመታት ከምዝደረፈ ይፍለጥ። ኣቦ ክልተ ውሉዳት ገ/እግዚኣብሄር፡ ስርዓት ቀብሩ ድማ ሎሚ ድሕሪ ሰዓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ቤተክርስቲያን ኣስኮ ገብርኤል ተፈፂሙ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG