ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋጋ ዕዳጋ ቦይንግ ብ12 ሚእታዊት ምጉዳሉ ተገሊጹ


ኣፍራዪ ነፈርቲ ቦይንግ ዝኾነ ኩባንያ ድሕሪ ትማሊ ሰንበት ዘጋጠመ ምሕምሻሽ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ሶኑይ ዋጋ ዕዳጋ እቲ ኩባንያ ብ12 ሚእታዊ ከምዝወረደ ተፈሊጡ።

መንገዲ ኣየር ቻይና፡ኢንዶኖዥያን ኢትዮጵያን ትማሊ ሰንበት ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ቦይንግ 737 MAX 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ብግዚያዊነት ካብ ኣገልግሎት በረራ ደው ከምዘበልወን ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ።ቦይንግ 737 MAX 8 ዓይነት ነፋሪት ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ካብ ጃካርታ ምስተልዓለት ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ናብ ባሕሪ ጃቫ ተሓምሺሻ ምስ ወደቐት ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ኩሎም 189 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

ቦይንግ ድሕሪ ናይ ትማሊ ሰንበት ሓደጋ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ በቲ ሓደጋ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊፁ’ሎ።

መግለፂ ቦይንግ ብምውሳኽ ናይ ቴክኒክ ሓገዝ ንምሃብ ሓደ ጉጅለ ቴክኒክ እቲ ሓደጋ ምሕምሻሽ ናብ ዘጋጠመሉ ቦታ ክልእኽ ምዃኑ'ውን ኣፍሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG