ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ዋጋ ብር ንምጕዳል መደብ የለን” ሚ/ሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ


ፋይል
ፋይል

ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ካብ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ ሓገዝ ንምሕታት ኣብ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዋን፡ “ዋጋ ብር ንምጕዳል ትሰርሕ ኣላ፡” ዝብል ወረ ፍጹም ካብ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ ከም ዝበለ ንምኽትል ሚንስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካለኝ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ከም ሓበሬታ እቲ ኣገልግሎት ዜና፡ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ምፍራሙ፡ ካብ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ ድጋፍ ንምርካብ ይሓትት ኣሎ።

ሮይተርስ ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ወግዓዊ ሸርፊ ብር ብመንጽር ዶላር 1 ዶላር ን 53.42 ብር ደኣ ይሃሉ’ምበር፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ግን ንሓደ ዶላር ካብ 96 ክሳብ 97 ብር’ዩ ዝሽረፍ።

ምኽትል ሚኒስተር ፋይናንስ ኢዮብ ተካለኝ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ከም ዝጸሓፎ ነቲ ዘሎ ቁጠባዊ ሽግራት ዝመጣጠን ስርርዕ ክግበር ባህርያዊን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕን እኳ እንተዀነ፡ ንሱ ግን ዋጋ ብር ብምንካይ ከም ዘይከውን ኣስሚሩ።

XS
SM
MD
LG