ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋይት ሃውስ ኣብ ሰነት ዝካየድ ውሳነ መስርሕ ምርመራ ንምውራድ ፕረዚደንት ካብ መዝነቶም ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ


ዋይት ሃውስ ዲሞክራሲያዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ከካይዱዎ ንዝፀንሑ ንፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ መስርሕ ምርመራ ክነጽጎ ድሕሪ ምፅናሕ ብሪፓብካዊያን ኣብ ዝዕብለል ሰኔት ክካየድ ንዝኽእል ፍርዲ ግን ብወግዒ ደጊፍዎ’ሎ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ብናይ ቲዊተር መልእኽቶም ‘’ካብ ስልጣን ክተውርኒ እንተኾንኹም ሕጂ ግበሩዎ! ብቕልጡፍኣብ ሰኔት ሚዛናዊ ፍርዲ ምስረኸብና ሃገርና ናብ ውራያ ክትምለስ ንደሊ ኢና’’ኢሎም።

XS
SM
MD
LG