ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋይት ሃውስ ንሓይሊ ዕማም ቫይረስ ኮሮና ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከምዝዓጽዎ ኣፍሊጡ


ዋይት ሃውስ ንቫይረስ ኮሮና ሓይሊ ዕማሙ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከምዝዓጽዎ ኣፍሊጡ።

ነቲ ሓይሊ ዕማም ዝመርሕ ምኽትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፐንስ፥ ኣብ መወዳእታ`ዚ ወርሒ ግንቦት ወይ መጀምርያ ወርሒ ሰነ፥ ስራሕና ናብ ዝምልከተን ትካላት መንግስቲ ክነሕልፎ ኢና ኢሉ። ማሕበራዊ ምፍንታት ክንቅጽሎን ክፍለ-ግዝኣታት ድማ ኣብ ድሕነቱ ዝሓለወ ምኽፋት ክጽመዳን ይግባእ ኢሉ። ነቐፍቲ ግን ኣብ ክንዲ ነቲ ሓይሊ ዕማም ምፍራሱ- ናብ ሓይሊ ዕማም ሕውየት ምስግጋሩ ምበለጸ ብምባል ምስቲ ውሳነ ኣይሰማምዑን።

መድሃኒት የብሉን ኮቪድ-19 እንተኾነ ናይ ኣሜሪካ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን፥ ኣብ ሕሙማት ኢቦላ ዝተጠቕመ መድሃኒት ኣብ ሕሙማት ኮቪድ -19`ውን ክጥቀምሉ ኣፍቂዱ`ሎ።

ነቲ ረምደሲቪር ዝተባህለ መድሃኒት ዘፍረየ ግሊድ ሳይንስ ዝተባህለ ትካል፥ ነቲ መድሃኒት ነቶም ኣብ ኤውሮጳ እስያን ዘይማዕበላ ሃገራት ዘለዉ ዝኸውን ንምፍራዩ ምስ ካምፓኒታት መድሃኒት ይዘራረብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

ከም ሓበረታ ሰበ-ስልጣን ጥዕና ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ምስተፈተነ፡ ንሕሙማት ቫይረስ ኮሮና ብ30% ቅልጣፈ ከምዘሕወየ ተራእዩ`ሎ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብዚ እዋን ቫይረስ ኮሮና ካብ ዋይት ሃውስ ዳርጋ ከይወጸ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ናብ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና ብምብራር፥ ንሓደ ሕጂ መሸፈኒ ገጽ ዝሰርሕ ዘሎ ካምፓኒ በጺሑ። እቲ ሆኒወል ዝብሃል ኣብ ኣሪዞና ዝርከብ ካምፓኒ ኣብ ምርምራት ጠፈር ዝነጥፍ`ኳ እንተኾነ ሕጂ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ዘገልግል ማስኬራታት ገጽ `ዩ ዘፍሪ ዘሎ። ትራምፕ ኣብቲ እዋን ብዙሓት ሃገራት ካብ ካልእ ቦታታት ሕማቕ ማስኬራታት ይልእካልና`ልዋ ናይ ሃኒወል ማስኬራ ግን ዝበለጸ`ዩ ክብል ተዛሪቡ።

ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ`ውን ካብተን ዓውዲ ኩናት ዝብሃላ ዘለዋ ሓንቲ`ያ።

ኣብ ኣመሪካ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ክውስኽ`ዩ ዝብል ሪፖርት፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣይቅበሎን። ኤኮኖሚ ሃገርና ዝኽፈተሉ ግዜ ሕጂ ኣኺሉ`ዩ ክብል ዝኣወጀ ፕረዚደንት ትራምፕ፥ ትማሊ ብዛዕባ`ዚ ንሪፖርተራት ክዛረብ ከሎ " ህዝብና ተባዕ ተዋጋእይ`ዩ። ገለ ሰባት ብሕማቕ ክጉድኡ ድዮም? እወ፣ ግና ሃገርና ክትክፈት ኣለዋ" ኢሉ። ኣስዒቡ ቫይረስ ኮሮና ብክታበት ወይ ብዘይ ክታበት ምሕላፉ ኣይተርፎን`ዩ ክብል ተዛሪቡ።

XS
SM
MD
LG