ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ናጽነት ሃይማኖት - ኣሜሪካ


ፋይል
ፋይል

ሚንስትራት ውሽጢ ሃገር 100 ሃገራት ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን፣መሳጊድን ቤተ መቅደስ ኣይሁዳዊያንን ካብ ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታ ዝድሓኑ ውልቀሰባትን ብምዃን ኣብ ዙሪያ ዓለም ምክእኣል፡ ምክብባር፡ ነፃነትን ብዙሕነት ሃይማኖታትን ክህልው ፀዊዖም።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮን ኣምባሳደር ነፃነት ሃይማኖታት ኣሜሪካ ሳም ብራውንባክን ዕላማ ናይዚ ዋዕላ ብሰንኪ እምነቶም በደል ዝተፈፀሞምን እምነቶም ኣብዝገልፅሉ ቦታ መጥቓዕቲ ዘጋጠሞም ሰባት ሓድነት ንምግላፅ እዩ ኢሎም።

“ኣብ ዙሪያ ዓለም ዝርከቡ ኩሎም ሰባት እምነቶም ብወግዒ ክገልፁ፣ኣብ ገዛውቶም፣ኣብ ናይ እምነት ቦትኦምን ኣብ ህዝባዊ ኣደባባያትን ድላዮም ክኣምኑ ክፍቀደሎም ኣለዎ።”

ኣብ ቀረባ ብሰንኪ እምነቶም በደል ዝተፈፀሞምን መጥቓዕታት ዝወረዶምን ውልቀሰባት ሓይል ዝኾነ መልእኽቶም የሕልፉ’ለው።ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ዳዕሽ ኣሲሩዋ ዝነበረት ኣባል ዓሌት ያዚዲ ናዲያ ሙራድ ከምዚ ትብል።

“ምፅናት ዓሌት ቀፃሊ መስርሕ ምዃኑ ታሪኽን መፅናዕትታትን የርእዩና።ሕጂ እውን ኣስታት 350,000 ያዚዳዊያን ኩርዲስታን ኣብ ዝርከብ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ተዳጒኖም ይርከብ።ኣብ 2014 ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ጎኒ ያዚዳዊያን ነይሮም ሎሚ ግን ዝርእዮም የለን።”

ኣብ ስሪ ላንካ ኣብ ዕለት ፋሲካ ኣብ ሓደ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ዘምለጠት ያሚኒ ራቪድራን ብወገና ከምዚ ትብል።

“ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብና ብፍላይ ድማ ኣብ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝገደፎ ፅልዋ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ስነ ኣእምሯዊ ጭንቂ እዩ።”

ኣብ ኒውዝላንድ ኣብ ሓደ መስጊድ ኣብ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ በዓልቲ ቤቱ ዝተቐተለቶን ንባዕሉ ግን ዘምለጠን ፋሪድ ኣሕመድ ነቲ ቐታሊ ይቕሬታ ክህብ እምነቱ ከምዝምሃሮ ገሊፁ።

እዞም ዘሕዝኑ ፍፃመታት ዝተፈላለዩ እምነታት ዘለዎም ሰባት ኣንፃር ክፋእን ፅልእን ክተሓባበሩ ከምዝሓገዞም እቶም ካብ መጥቓዕቲ ዝደሓኑ ይገልፁ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዋዕላ ናጽነት ሃይማኖት - ኣሜሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:22 0:00


XS
SM
MD
LG