ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ-20 ኣብ ኢንዶኖዥያ ይቓናዕ


መራሕቲ ብቁጠባ ዝዓበያ ሃገራት ጉጅለ 20 ሎሚ ሰሉስ ኣብ ሓውሲ ደሴት ባሊ ኢንዶኒዥያ ንውግእ ዩክሬን ስዒቡ ንዘጋጠመ ዕንወትን ምክፍፋልን ቶም ክዘራረቡ'ዮም።

“መብዛሕትኦም ኣባል ሃገራት እቲ ጉጅለ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዘካየደቶ ውግእ ኣትሪሮም ክኹንኑ” ትፅቢት ከምዝግበር ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምምሕዳር ኣመሪካ ሎሚ ንጉሆ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ዋዕላ ፕረዚደንት አኣንጋዲት ሃገር ኢንዶኖዥያ ጆኮ ዊዶዶ ኣባል ሃገራት ዕፁው ኣኼበኦም ቅድሚ ምጅማሮም ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈፀመቶ ወራር ብዝምልከት ዝህለው ምክፍፋላት ነቲ ቀንዲ መዘራረቢ ዛዕባ እቲ ዋዕላ ኣብ ሓድነትን ቁጠባዊ ሕውየትን ዝጠመቱ ኣጀንዳታት ዝፀሉ ንኸይኸውን ተማሕፂኖም።

“ንህዝብና ጥራሕ ዘይኮነስ ንህዝብታት ዓለም እውን ዓለምና ንምድሓን መርኣያ ምትሕብባር ምዃን ዝያዳ የድልየና ኣሎ። ። ሓላፍነት ምስካም ማለት ዓለምለኸ ሕግታትን መምርሕታት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ቀፃልነት ምኽባር ማለት እዩ። ሓላፍነት ምስካም ማለት ድምፁ ዝስማዓሉ ኣገባብ ምፍጣር ማለት እምበር ናይ ዜሮ ድምር ውፅኢት ምፍጣር ኣይኮነን። ኣብዚ ድማ ሓላፍነት ምውሳድ ማለት እቲ ውግእ ናይ ግድን ጠጠው ከነብሎ ከለና እዩ። እቲ ውግእ ኣብዚ ዘየእክል እንተኾይኑ እቲ ዝተረፈ ዓለም ንቅድሚት ክስጉም ከፀግሞ እዩ።”

ፕረዚደንት ዩክሬን ቮሎድምየር ዘለንስኪ ኣብቲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝተሳተፉሉ ዋዕላ መራሕቲ ጉጅለ 20 ሃገራት ውግእ ዩክሬን ጠጠው ከብሉ ይኽእሉ ዝበልዎም ወሰንቲ ነጥብታት ዘርዚሮም።

“ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዲፕሎማትና ምስ መሓዙት ኣካላት ብምዃን ንነዊሕ እዋን ክሰርሕሉ ዝፀንሑ ኮይኖም ኣብ ክልተ ኣዝዮም ጠቀምቲ መፍትሕታት ኣብ ምትእምማንን ምቅባልን በፂሖም። እቲ ቀዳማይ ሎሚ ደገፍ ክረክብ ትፅቢት ዝግበረሉ ብምኽንያት ውግእ ሩስያ ንዝተፈጥረ ዕንወት ዝኽሕስ ብናይ ሩስያ ወፃኢ ዝጣየሽ ዓለምለኸ መስርሕ ካሕሳ ምምስራት እዩ። ሩስያ መከሓሓሲ ናይቲ ዝፈፀመቶ ምኽፋል ዝብል ኣብዚ እዋን ዓለምለኸ ሕጋዊ ሓቂ ኮይኑ ይርከብ።”

ዘለንስኪ ኣብ መደረኦም ንሩስያ ንምግላል ደጋጊሞም ጉጅለ-19 እናበሉ ክዛረቡ ተሰሚዖም እዮም። ተወሰኽቲ “መጥቃዕትታት ሩስያ” ንምክልኻል ዓለምለኸ ዋዕላታት ክካየዱ'ውን ፀዊዖም።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዲሚር ፑቲን ብኣካል ኣብቲ ዋዕላ ጉጅለ-20 ዘይተሳተፉ ኮይኖም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ግን ፕረዚደንት ዘለንስኪ ክዛረቡ ከለዉ ኣብቲ ኣዳራሽ ነበሩ። ፀኒሖም ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ድማ ዩክሬን ንዘተ ሰላም ተሓሲማ ከተብቅዕ ዘይሓቃዊ መስርሓት ሰላም ተቅርባ ኣላ ኢሎም።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ንሶምን ፕረዚደንት ቻይና ዢ ፒንግን “ግዝኣትን ሓድነትን ዩክሬን ይከበር” ክብሉ ምፅወዖም ይሕብሩ።

XS
SM
MD
LG