ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ቁጠባዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ተኻይዱ


ቁጠባ ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ንምባልን ፍሰት መዋእለ ንዋይ ኣሜሪካ ንምስላጥን ዝዓለመ ንኽልተ መዓልታት ዝፀንሕ ጉባኤ ሽርክነት ኢትዮጵያ ኣብ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ዋዕላ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዝጀመረቶ ምምሕያሽ ቁጠባን ዕድላት ንግድን ወፍሪን ንምፍላጥ ዝተሓሰበ ምዃኑ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ’ሎ።

ብመንግስቲ ኣሜሪካ ሓሓሊፉ ዝዳለውን ካብ ሃገራት ዓለም ኣብ ሓንቲ ሃገር ጠሚቱ ኣብ ዝካየድን መድረኽ ዝተረኸቡ ኣማኻሪ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣርከበ ዑቕባይን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ፍፁም ኣረጋን ኣብታ ሃገር ይካየዱ ብዛዕባ ዘለው ለውጥታትን ንውልቂ ኣውፈርቲ ይኸፈቱ ዘለው ዓውድታትን ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ ሕርሻ፣መሰረት ልምዓት፣ፅዓት፣ናይ ሓበሬታ ቴክኖሎጂ፣ኣፍራይ ኢንዱስትሪታትን ዓውዲ ኣገልግሎትን ዕድላት ምኽፋቶምን ዓንቀፍቲ ሕግታት እውን ይመሓየሹ ከምዘለውን ገሊፆም።

ኣብ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ኢትዮጵያ እተካይዶ ንዘላ ለውጢ ንኢዶም። ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ረይነር ብወገኖም ኢትዮጵያ ቁጠብኣ ንክተዕብን ክተሰጋግርን ዝሓዘቶ መንገዲ ዕዉት ክኸውን ሃገሮም ከም እትሕግዝ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG