ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ተዛዚሙ


ሰሉስ ታሕሳስ 13,2022 ጀሚሩ ንዝተፈላለየ መራሕቲን ልኡኻትን ኣፍሪቃ ከእንግድ ዝቐነየ ዋዕላ መራሕቲ ክልተ ኣህጉር ትማሊ ሓሙስ ተዛዚሙ። ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፍ ዝቐነየ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስ በበይኖም ሰበ-ስልጣናትን መራሕቲ ትካላትን ተራኺቡ ክዘራረብ ምቕናዩ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ትማሊ’ውን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ክልተኣዊ ርክብ ኣካዪዶም። ዝርዝር ናይ ክልተኣቶም መራሕቲ ርክብ ኣይቀረበን። ካብ መንጎ ዝተዛራረቡሉ ኣርእስቲ ግን ኣወንታዊ ምዕባለታት ድሕሪ ምፍራም ምቍራጽ ተጻብኦታትን ንኣገዳስነት ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይን ምዃኑ ብሊንከን ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ በበእዋኑ ዝተመባጽዖ ሓገዝ፡ ተወሳኺ ክልተ ቢልዮን ዶላር ንውሕስነት መግቢ ዝውዕል ሓገዝ ነታ ኣህጉር ምስላዑ ቃል ኣትዩ።

ባይደን፡ ዕለቱ ደኣ ኣየነጽር እምበር፡ ንትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ከብጽሕ መደብ ከም ዘለዎ’ውን ኣመልኪቱ።

XS
SM
MD
LG