ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ መራሕቲ ሓባራዊ ሃብቲ ሎሚ ኣብ ሩዋንዳ ተጀሚሩ


መራሕቲ ሓባራዊ ሃብቲ ብዛዕባ ክሊማዊ ለውጢ: ትሮፒካዊ ሕማማት ከምኡ`ውን ብዛዕባ ምስ ብኮቪድ19 ዝመጹ ብድሆታት ንምዝታይ ሎሚ ኣብ ሩዋንዳ ተኣኪቦም ኣለዉ።

ኣብ ሓባራዊ ሃብቲ ተጠርኒፈን ዘለዋ ሃገራት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝነበራ ክኾና ኸለዋ ከም ቶጎን ጋቦን ዝበላ ምስ እንግሊዝ ናይ መግዛእቲ ታሪኽ ዘይብለን ሃገራት`ውን ይጽንበረአን ኣለዋ።

እቲ ደምበ ኣብታ 54 ሃገራት 2.5 ቢልየን ህዝቢ ዘለዋ ኣህጉር ህይወት ንምቕያር ከምዝሰርሕ ይገልጽ።

ነቲ ናይ ሎሚ ዋዕላ ተተኣናግድ ዘላ ሩዋንዳ ናብቲ ሓባራዊ ሃብቲ ክትጽንበር ክትጽዕር ጸኒሓ`ላ። እቲ ሓባራዊ ሃብቲ ብንግስቲ ኤልሳቤጥ ከምዝምራሕ`ዩ ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG