ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ሕ/ኣፍሪቃ ንእዋናዊ ጉዳያት'ታ ኣህጉር ዝምልከት ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ


መበል 35 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ
መበል 35 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ

መበል 35 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዙሪያ እዋናዊ ፈተናታት ናይታ ኣህጉር ውሳነታት ብምሕላፍ ተዛዚሙ።

ሓድሽ ኣቦ መንበር'ቲ ሕብረትፕረዚደንት ሴኔጋል ሚኪ ሳል ድሕሪ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ብፍላይ ምኽኒያት ፀገማት ሰላምን ፀጥታን ዝኾኑ ጉዳያት ፍሉይ ትኹረት ክወሃቦም ፀዊዖም።ኣብታ ኣህጉር እናተዘውተረ ይመፅእ ዘሎ ዕልዋመንግስቲ ብዝኾነ ይኹን ተቐባልነት የብሉን ኢሎም።

ብዛዕባ እቲ ጉባኤ ንድምጺ ኣመሪካ ርእይትኦም ዝሃቡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ተሓባባሪ ፕሮፌሴር ሰላምን ድሕነትን ዶክተር ዮናስ ኣዳዬ ኣፍሪቃ ውሽጣዊ ፀገማታ ብውሽጣዊ መፍትሒ እንተዘይፈቲሓ ንዘመናት ዝጸንሕ ፀገም ሰላምን ፀጥታን መፍትሒ ኣይርከብን ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG