ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓድሽ ኣቦ መንበር ብምምዛዝ ተዛዚሙ


ኣብ ዋና ከተማ ኢትዮጵያ አዲስ አበባ ክካየድ ዝቐነየ መበል 32 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓድሽ አቦ መንበር ብምምዛዝ ትማሊ ሶኑይ ተዛዚሙ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣቦ መንበር’ቲ ሕብረት ኮይኖም ተመሪጾም ኣለው።

ንሶም ኣብ ምዝዛም’ቲ ዋዕላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንሰላምን ምርግጋእን ኣህጉር ኣፍሪቃ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ንምርግጋጽ ኣብ ድሕሪ ግጭት ዝካየድ ዳግመ ህንጸትን መደባት ዕብየትን ዝያዳ ጻዕርታት ከምዘድልይ ኣስሚሮምሉ።

ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓድሽ ኣቦ መንበር ብምምዛዝ ተዛዚሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:49 0:00

እዚ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበትን ሶኑይን ዝተኻየደ መበል 32 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ 2019 ዓመተ ስደተኛታት፡ ተመለስትን ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ዝብል ቴማ ዝተካየደ ምዃኑ ይፍለጥ።

አቦ መንበር’ቲ ሕብረት ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ ብወገኖም “ንዓለም ብሕብረት ክንገጥማ አለና። ብተወሳኺ መሰልን ድልየትን ኣፍሪቃዊያን ንምምላእ ምስ ካልኦት ዞባዊን ውልቃዊን ትካላትን ክንሰሕ አለና። እዚ ህጹጽ ጉዳይ ድማ ንሕብረት ኣፍሪቃ ንምሕያል ተወሳኺ ምክንያት’ዩ። ፖለቲካዊ ዕላማታትና ንምምላእ’ውን ሓላፍነት ዘለው፡ ጥዑይን ውጽኢታዊን ውድብ የድልይ’ዩ” ኢሎም።

ጠቕላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተርስ ብወገኖም ኣብ ኣወንታዊ ውጽኢታት’ቲ ኣህጉር ብምምትዃር “ ብዙሓት ንኣፍሪቃ ከም ጸገም ዘለዋ ኣህጉር ጌሮም ይርእይዋ። ንሕና ግን ንኣፍሪቃ ናይ ዕድላትን ተስፋን ኣህጉር ጌርና ኢና ንርእይያ” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG