ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንለውጢ ክሊማ ተጋቢኡ


መራሕቲ ሃገራት ዓለም ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓፈሻዊ ጉባኤ የካይዱ ኣለው።ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን መጠን ካርበን ዝንክየሉ ኣገባባት ብዝምልከት ዋዕላ ኩነታት ኣየር ኣካይዶም ኣለው።

ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣብ ዝርከባ ሓያሎ ከተማታት ዝተሰለፉ ሰባት ኣብ ህዋ መጠን ካርቦም ክውስኽ ዝገብር ናብ ኣየር ዝልኣኽ ጋዝ ንምቕናስን ደው ንምባልን ንመራሕቲ ብምሕታት ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ናቶም ወለዶ ንመሬት ንምክልኻል ሓላፍነቱ ኣይተዋፅአን ኢሎም።

“ኣብዚ ተኣኪብና ኣብእንርከበሉ ዘሎ ጊዜ ናይ ዓለምና ዱር ይቃፀል ኣሎ።ጠቃር ትኪ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ሄክታር ዱር ኢንዶኖዢያ ዓፊኑዎ ይርከብ።ኣብ ኣማዞን ንሚሊዮናት ሄክታር ጫካ ዘዕንው ዘሎ ሓያል ባርዕ ሓዊ ምቅፃሉ ቀፂሉ’ሎ።”

ኣብ ማእኸል ሃልሃልታ ባርዕ ሓዊ ብራዚል ናይ እትርከብ ከተማ ማናውስ ከንቲባ ኣርቱር ቨርጊሊዮ ኔቶ መራሕቲ ዓለም ስጉምቲ ክወስዱ ጸዊዖም ኢሎም።

“ቀንዲ መራሕቲ ዓለም ነቲ ፀገም ግቡእ ጠመተ ዘይገብርሉ እንተኾይኖም ንዓና ምችእቲ ዘይኮነትን ዘይንነብረላን ዓለም እያ ክትህልወና።ካብ ፕረዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ዝመፁ ኩሎም ሓሳባት ክንቕበሎም ኣይንኽእልን።ዝሓዝዎ መርገፂ ሕማቕ፣ንዝቕፅሉ ወለዶታት ድማ ሕማቕ ምዃኑ ኣይተረድኡምን።”

ፕረዝዳንት ትራምፕ ኣብ ዋዒ ዓለም ጥርጣረ ኣለዎም።ናብ ሰማይ ዝበንን ጋዝ ንምንካይ ዝግበሩ ፃዕርታት ንኣሜሪካዊያን ሰራሕተኛታትን ንናይ ፎሲል ኢንዱስትሪ ነዳዲን ዝጎድእ እዩ ይብሉ።

ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ናይ ፓሪስ ውዕል ኩነታት ኣየር ብምስሓብ ኣብ ኣሜሪካ ንፁህ ኣየርን ማይን ብዝምልከቱ ቅድም ኢሎም ዝተኣታተው ዓሰርተታት ሕግታት ስዒሩዎም እዩ።

እዚ ኮይኑ እናሃለወ ፕረዝዳንት ትራፕም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት ንርእሶም ተሓላቒ ከባቢያዊ ኣየር ገይሮም ከምዝሪኡ ተዛሪቦም ነይሮም።

“ብዛዕባ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር ካብ መብዛሕቲኦም ሰባት ንላዕሊ እፈልጥ እየ ዝብል እምነት ኣለኒ።ንፁህ ኣየር እደልይ።ፅሩይ ማይ እደልይ እየ።ብልፅግቲ ሃገር እውን እፎቱ።ስራሕ፣ናይ ጡረታ ደመወዝን ብዙሓት ነገራትን ትውንን ሃገር እውን እደሊ እየ።”

ድልየታት ሓይሊ ኤለክትሪክ ንምርዋይ ኣብ ናይ ፎሲል ነዳዲ ዝተሞርከዛ ካልኦት ሃገራት እውን ኣብቲ ዋዕላ መደረ ኣስሚዐን ነይረን።ኩለን ህንዲ፣ኢንዶኖዢያን ቻይናን እናዓበየ ይኸይድ ዘሎ ናይ መብራህቲ ሓይሊድልየተን ንምርዋይ ተወሰኽቲ ናይ ከሰል ፋብሪካታት ምህናፀን ቀፂለን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG