ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ 'ሃገርለኸ መድረኽ ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ-ብሄራዊ ፈደራላዊ ስርዓትን' ተዛዚሙ


ኣብ ከተማ መቐለ ንክልተ መዓልታት ክኻየድ ዝቐነየ "ሃገርለኸ መድረኽ ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ-ብሄራዊ ፈደራላዊ ስርዓትን" ዝተሰየመ ዋዕላ ትማሊ ኣማስዩ ተዛዚሙ።

ኣብቲ መድረኽ ኣስታት 38 ውድባት ፖለቲካ ሓዊሱ ሽማግለ ዓድን ምሁራትን ተሳቲፎም::

ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ተመሳሳሊ ዘተ ብቐፃሊ ንምክያድ’ውን ወሲኖም ኣለው::

ካብ ውድባት ፖለቲካ፣ ሽማግለ ዓዲን ምሁራን ዝተዋፅኡ ዝተሳተፍሉ እቲ መድረኽ ብቐፃሊ ኣብ ካልኦት ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ተመሳሳሊ ክካየድ ወሲኖም::: ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ኣብ ዘውፅእዎ በዓል 10 ነጥቢ መግለፂ: ኣብዚ ሐዚ እዋን ሕብረ ብሄራዊ ፈደራላዊ ስርዓትን ሕገመንግስትን ኣብ ሓደጋ ከምዘሎ ገሊፆም::

ሃገር ይመርሕ ዘሎ ኢህወደግ ውሽጣዊ ፀገማቱ ፈቲሑ ሕገመንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፈደራላዊ ስርዓት ናይ ምሕላው ሓላፊነት ኣለዎ ድማ ኢሎም:: እዚ ምሕላው ህልውና ሃገር ብምዃኑ ኩሉ ዜጋ ሓላፊነቱ ክዋፃእ ፀዊዖም::

ተሳተፍቲ ልዕልና ሕጊ ብምርግጋፅ ድሕንነት ዜጋታትን ሰላም ንምኽባር መንግስቲ ሓላፊነቱ ክዋፃእ ሓቲቶም:: ሕጊመንግስቲ ንምምሕያሽ ኣብ ዘድልየሉ ድማ ብመሰረት እቲ ሕጊ ክካየድ ከምዘለዎ አመላኺቶም:: እቶም ተሳተፍቲ ሕገመንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፈደራላዊ ስርዓት ካብ ሓደጋ ንምድሓን ከምዝቃለሱ ቃል ዝኣተዉ ኮይኖም መረፃ 2012 ኣብ እዋኑ ክካየድ ሓቲቶም::

ዋዕላ "ሃገርለኸ መድረኽ ምድሓን ሕገ መንግስትን ሕብረ-ብሄራዊ ፈደራላዊ ስርዓትን"
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:20 0:00

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል: ፈደራላዊን ሕገመንግስታዊ ስርዓት ተሓልዩ ክኸይድ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብዚ መድረኽ ክሳተፉ ዓዲምና ኢሎም:: ዶክተር ደብረፅዮን ውድቦም ህወሓት ኣብ ትግራይ ጠመተ ሂቡ ከምዝሰርሕ ገሊፆም: ኣብ ፈደራል ድማ ዝግበኦ ብፅሒት ከምዘበርከት ተዛሪቦም::

ብቐፃሊ እቲ መድረኽ ዘዳልው ካብ ዝተፈላለዩ ውድባት ፖለቲካ: ሽማግለ ዓዲን ምሁራንን ዝተውፅኡ ኮሚቴ ብምጥያሽ እቲ መድረኽ ትማሊ ኣማስዩ ተዛዚሙ:: ኣብቲ መድረኽ ውድባት ኦፌኮ: ኣገው ሸንጎ: ገስጋሳይ ውድብ ስርዓት ገዳ : ብዶክተር ሚልዮን ዝምራሕ ውድብ ሲኣንን ካልኦት 38 ውድባት ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብዚ መድረኽ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ተቓዋምቲ ውድባት ግን ኣይተዓደሙን::

ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ውድቦም ኣብቲ መድረኽ ከምዘይተዓደመ ገሊፆም:: ብተወሳኺ ድማ ካብ ካልኦት ውድባት ብውልቀ እንትዕደሙ ዋላ ሓደ ኣባል ዓረና ኣይተዓደመን እዚ ድማ ገዛኢ ውድብ ህወሓት ንተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ዘለዎ ንዕቐት ዘርኣየሉ እዩ ኢሎም:: ኣተሓባባሪ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ሃያሉ ጎድፋይ ብወገኖም ኣብቲ ዘተ ውድቦም እውን ከምዘይተዓደመ ገሊፆም:: ከም ውልቀ ሰብ ግና ካብ ኣባላት ውድቦም ዝተዓደሙ ከምዘለዉ ተዛሪቦም:: እዚ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ዝሳተፉ ኣባላቱ ባዕሉ ይመርፅ እምበር ክምረፀሉ ኣይግባእን ኢሎም:: እዚ ድማ ገዛኢ ውድብ ህወሓት ኣብ ትግራይ ፓርቲ ብሕታዊ ምኻኑ ንምንፅብራቕ ዝተጠቐመሉ ኣካይዳ እዩ ተቐባልነት የብሉን ኢሎም::

ኣብዚ ጉዳይ መልሲ ዝሓተትናየን ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ኣብቲ መድረኽ ኣመራርሓ ሳልሳይ ወያነን ባይቶናን ብውልቀ ተዓዲሞም እዮም ከምውድብ ዘይተዓደሙ ግና ኣብ ቦርድ መረፃ ተመዚጊቦም ኣፍልጦ ስለዘይረኸቡ እዩ ኢለን:: ወይዘሮ ሊያ ካብ ውድብ ዓረና ከም ውድብ ይኹን ከምውልቀ ዝተዓደመ የለን ንምንታይ ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናለን ኣብቲ መድረኽ ዝተዓደሙ ፌደራሊስት ሓይልታት እዮም ኢለን::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

XS
SM
MD
LG