ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ሃገራዊ ኮሚተ ሪፐብሊካዊያን 2020 ተዛዚሙ፣ ትራምፕ ሕጹይ ፓርቶም ኮይኖም


ኣብ ቀጽሪ ዋይት ሃውስ 1500 ሰባት ዝተዓደምሉ መድረኽ ሪፐብሊካዊያን ዝመደሩ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ሕጹይ ፕረዚደንት’ቲ ፓርቲ ክኾን ተቀቢለዮ ኣለኹ ኢሎም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ‘ናይ ሎም ዘበን ምርጫ፣ ራኢ ኣሜሪካ ክዕወት እንተኾይኑ ዝውስን እዩ። ሶሻሊስታዊ አጀንዳ፣ ኣብ ክቡር ምዕራፍና ንከይንበጽሕ ንከዐንቅፈና ክነፍቅደሉ’ዶ ንኾን?’ ኢሎም ሓቲቶም።

ኣሜሪካ ብማሕበራዊ ዓመጽን ህውከትን ኣብ ትናወጸሉ እዋን፣ ፕረዚደንት ትራምፕ ቆላሕቶኦም ‘ሕጊን ስርዓትን ምኽባር’ ዝብል ኮይኑ አሎ። ንመወዳድርቶም ምክትል ፕረዚደንት ጆ ባይደን ድማ ‘ብጸጋማይ ክንፊ ዴሞክራሲያዊያን ፓርቲ ዝጉተት ፈረስ እዩ’ ዝብል ነጥቢ ከስርጹ ተራእዮም ኣለው።

ትራምፕ ‘ጆ ባይደን ድኹም እዩ’ ኢሎም።

ክልቲኡ ዋዕላታት ዴሞክራሲያዊያንን ሪፐብሊካዊያንን፣ ኣብ ክንዲ ንፖሊሲ ትኹረት ዝህቡ፣ ኣብ ባህሪ ሰባት፣ ንሕጹያቶም ክብሪ ዝህቡን ንተቃዋሚኦም ዘናሽውን ኮይኖም እዮም ተረኺቦም።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ መደረ እናስምዑ ከለው፣ ኣብ ደገ ዋይት ሃውስ ሰልፊ ተቃውሞ ነይሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል


XS
SM
MD
LG