No media source currently available
ንክልተ መዓልታት ክካየድ ዝጸንሓ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ሩስያን ሎሚ ክዛዘም’ዩ። ኣብቲ ኣብ ከተማ ሱኪ ሩስያ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፉ ክኾኑ ከለው ሩስያ ኣብታ ኣህጉር ዘለዋ ጽልዋ ብምዕባይ ዝዓለመ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።