ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ሃገራት ኔቶ ሎሚ ጀሚሩ'ሎ


70 ዓመታት ዘቑፀረ ኔቶ ኣብ ምሽካም ሓላፍነትን መፃኢ ኣንፈትን ብረፅሚ መራሕቲ ኣሜሪካ፣ፈረንሳይን ቱርኪን ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ’ሎ።ስግኣታት ኔቶ ብዝምልከት ንምዝርራብ ወግዓዊ ኣኼብኡ ሎሚ ረቡዕ ክጅምር ዝተታሓዘ መደብ ዝዓበየ ብድሆኡ ምርግጋእ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ዝተፈጥረ ወጥሪ ኮይኑ’ሎ።

ፕረዚደንት ትራምፕን ናይ ፈረንሳይ ፕረዚንት ኢማኑኤል ማክሮንን ኣብ መፃኢ ዕጫ ኣብ ሶሪያ ተታሒዞም ዘለው ወፃእተኛታት ተዋጋእቲ ዳዕሽ ኣብ ዝብል ጉዳይ ተጋጭዮም ኣለው።

“ብዙሓት ካብ ፈረንሳይ ዝመፁ እዮም፤ካብ ጀርመን እውን ብዙሓት እዮም፤ካብ ብሪጣንያ ዝመጹ’ውን ብዙሓት ኣለው።መብዛሕትኦም ካብ ኣውሮጳ ዝመፁ እዮም።ብዛዕብኡ ንፕረዚዳንት ኣይተዛረብኩዎን።ንገሊኦም ጥዑያት ተዋጋእቲ ዳዕሽ ትደልዮም ዲኻ? ክህበካ እኽእል እየ።ክንዲ ዝደለኻዮ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።”

ናይ ፈረንሳይ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ብወገኖም ከምዚ ክብሉ መሊሶም ።

“ሓቂ ንዘራረብ።ዝበዝሑ ኣብ ባይታ ዝዋግኡ ዘለው ካብ ሶሪያ፣ካብ ዒራቕን ካብቲ ዞባ ዝመፁን እዮም።”

ማክሮን ብምውሳኽ ቱርኪ ኣንፃር ኣብጎንና ኮይኖም ምስ ዳዕሽ ዝተዋግኡ እያ ትዋጋእ ዘላ ኢሎም ።

ናይ ቱርኪ ፕረዚደንት ረሲፕ ጠይፕ ኤርዶጋን ኣባላት ጥምረት ኔቶ ኩርዳዊያን ተዋጋእቲ ኣሽበርቲ ምዃኖም ኣፍልጦ ዘይህባ እንተኾይነን ኔቶ ንሃገራት ባልቲክ ካብ ሩሲያ ንምክልኻል ንዝወስዶ ስጉምቲ ከምዝቃወሙዎ ትማሊ ሰሉስ ኣጠንቂቖም።

ዋና ፀሓፊ ኔቶ ጀንስ ስቶንልበርግ እቲ ጥምረት ኣብ ፅቡቕ ጥዕና ይርከብ ኢሎም።

ብዙሓት ኣብ ለንደን ይሳተፉ ዘለው ልኡኻት እቲ ወጥሪ ናይቶም መራሕቲ ውልቃዊ ረፅሚ ድዩ ወይስ ኣብ ውሽጢ ኔቶ ሰፊሕ ፀገማት ኣሎ ኢሎም ይሓቱ ኣለው።

XS
SM
MD
LG