ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ሃገራት መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን


ዋዕላ ሃገራት መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:23 0:00

ዋዕላ ሃገራት መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን

ዋዕላ መራሕቲ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ጽባሕ ሰሉስ ኣብዚ ኣብ ዋሺንግተን ይጅምር ኣሎ። ፕረዚደንት ባይደን 49 መራሕቲ ኣፍሪቃን መራሕቲ ብሕታዊ ንግድን ዓዲሞም ኣለዉ።

ሰርገ ሞምቦውሊ ኣብዚ ኣብ ኣመሪካ ኣምባሳደር ኮንጎ ኮይኑ ተወሳኺ ሓላፍነቱ ድማ ዲን ዲፕሎማቲክ ኦርፕስ ኣፍሪቃ`ዩ። ንዋዕላ መራሕቲ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ኣብ ምድላው ንኣዋርሕ ምስ ሰበ-ስልጣን ዋይት ሃውስን ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ንድምጺ ኣመሪካ ይገልጽ።

“ትጽቢትና ልዑል`ዩ። ክልቲኣዊ ምትሕብባር ኣመሪካን ኣፍሪቃን ክሕይል ግድን`ዩ። ኣመሪካ ነቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ሒዝዎ ዘሎ ነዊሕ ትልሚ 2063 ኣብ ምዕዋት ተርኣ ክትጻወት እዚ ዋዕላ ኣበርክቶ ክህልዋ ድልየትና`ዩ።”

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣጀንዳ 2063 ምዕሩይ ማሕበራውን ቁጠባዊን ዕብየት፡ ኣህጉራዊ ውህደት፡ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ፡ ሰላምን ጸጥታን ቀዳምነት ዝህብ`ዩ። ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ዓለማዊ ጽፍሒ ዕዙዝ ተራ ንክህልዋ ቁመንኡ ከመዓራሪ ዝሕልን ኣጀንዳ`ዩ ይብል።

“ንሕና ኣፍሪቃውያን ትሕተ ቅርጺ የድልየና። ጸዓት የድልየና፡ ኣብ መዳይ ጥዕናን ፋይናንስን ክንዓቢ ኢና ንደሊ። ስለዚ እዚ ዋዕላ`ዚ ነዚ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዘሎ ምትሕብባር ከምኡ`ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ዝህልዉ ምትሕብባር ተግባራዊ ኣብ ምግባር ኣበርክቶ ዝገብር እንተኾይኑ ብዙሕ ሓጋዚ እዩ ኢና ንብል።”

ኣብ 2014 ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ`ዩ ፈላማይ ዋዕላ መራሕቲ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ኣካይዱ። ድሕሪኡ ብዙሕ ነገር ተፈጺሙ`ዩ። ግዩድ ሙር ኣብ ማእከል ግሎባላዊ ዕብየት ላዕላዋይ ተመራማሪ፡ እዚ ዋዕላ`ዚ ኣብ ኣዝዩ ወሳኒ እዋን`ዩ ዝካየድ ዘሎ ይብል))“ኣመሪካ ኣብ ሓደ ሓደ ንኣፍሪቃ ኣጋጢምዋ ዘሎ ብድሆታት ስጉምቲ ክትወስድ ብወገን ኣፍሪቃ ትጽቢት ኣሎ። ንኣብነት ከም ዝቕባበ ገንዘብ፡ ሕጽረት ነዳዲ፡ ኩናት ዩክሬንን ኣብ ናብራ ዘሕደሮ ጽልዋታትን ገለ ክግበር ትጽቢት ኣፍሪቃ`ዩ። ከምኡ`ውን ኣመሪካ ንክሊማዊ ቅልውላው ብዕቱብ ኣብ ምርኣይ መሪሕነት ክተዐዝዝ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝጥምትዎ ጉዳይ`ዩ።”

ዝሓለፈ ዓመት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኩነታት ክሊማ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት፡ኣፍሪቃ ካብ ካልኦት ዞባታት ዓለም ዝያዳ ዝቐልጠፈ ክሊማዊ ዋዒ ተርኢ`ላ ኢሉ ኔሩ። እንተኾነ ግን ኣፍሪቃ ካብ ዓለማዊ ብኽለት ኣየር ትሕቲ 4% ጥራይ እያ ሓላፍነት ትወስድ።

XS
SM
MD
LG