ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋንጫ ኣፍሪቃ 2022: ግጥም ካሜሮንን ኢትዮጵያን


ግጥም ካሜሮንን ኢትዮጵያን
ግጥም ካሜሮንን ኢትዮጵያን

ኣብ ናይ ሎሚ ግጥም ምስ ጋንታ ካሜሩን ጽቡቅ ኣጀማምራ ዝነበራ ጋንታ ዋልያ ሓደ ንሓደ ንዕረፍቲ ወጺኣ።

ድሕሪ 50 ደቂቃ ግና ነገራት ተቀያይሮም። ተጻወቲ ካሜሩን ምሒር ኣካላዊ (ፊዚካል) ገይሮምዎ፣ ተጻወቲ ዋልያ ድማ ኣብ ክንዲ ነቲ ጸወታ ምዝሕሓልን ንኩዕሶ ምቁጽጻርን ዳርጋ ተሓባቢሮምዎ።

ካሜሩናዊያን ክልተ ሸቶታት ኣከታቲሎም ብምእታው 3 ን 1 ምምራሕ ኪኢሎም። ቀዲማ ሸቶ ዘመዝገበት ጋንታ ዋልያ፣ 4 ሸቶታት ኣተኣናጊዳ፣ አርባዕተ ንሓደ ተሳዒራ ካብ ሜዳ ወጺኣ።

ክልተ ጊዜ ዝተሳዓረት ጋንታ ዋልያ ናይ ምሕላፋ ዕድል ዕጹው ኮይኑ ኣሎ። ብኣንጻሩ ክልተ ጊዜ ዝተዓወተት ጋንታ ካሜሩን ምሕላፍ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ዛጊት ብመሰረት ዝተካየዱ ግጥማት፣

ኢኳቶርያል ጊኒ 0 – 1 ኣይቮሪኮስት

ማውሪታንያ 0 – 1 ጋምቢያ

ቱኒስያ 0 – 1 ማሊ

ሱዳን 0 – 0 ጊኒ ቢሳው

ናይጀርያ 1 – 0 ግብጺ

ኣልጀርያ 0– 0 ሴራልዮን

ኮሞሮስ 0 – ፩1ጋቦን

ጊኒ 1 – 0 ማላዊ

ሞሮኮ 1 – 0 ጋና

ሴነጋል 1 – 0 ዚምባብዌ

ኢትዮጵያ 0 – 1 ኬፕቨርዴ

XS
SM
MD
LG