ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቅሎም ገሊጾም


ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቅሎም ገሊጾም።ንሶም እዋን ምእታው እኽሊ ብዘይምርግጋእን ግጭትን ብምትዕንቓፉ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ክጠምዩ ይኽእሉ እዮም ኢሎም።

ጉተረዝ ነዚ ዝገለፁ ትማሊ ንባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዩ።

ትኹረት ናይቲ ኣኼባ ባይቶ ፀጥታ ጎንፅን ውሕስነት መግብን ብኸመይ ዝተተሓሕዘ ምዃኑ ትኹረት ዝገበረ እዩ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG