ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ግንቦት 7 አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ተፈቲሖም


አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ
አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ

ዋና ጸሓፊ ናይ ኢትዮጵያ ተቃዋሚ ጉጅለ ግንቦት 7 አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ድሕሪ ናይ 4 ዓመታት ማእሰርቲ ሎሚ ተፈቲሖም።ህዝቢ ንዝገበረሎም ኣቀባብላ ከምዘሓጎሶም ገሊጾም።

አብኦም ብወገኖም ደረት ዘይብሉ ሓጎስ ተሰሚዑኒ ኣሎ ኢሎም።

አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም ናብ ገዛ አብኦም ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ዝመጽሉ መኪና አምቡላንስ ዝመስል ብምንባሩ’ቲ ምምጽኦም ዝጽበ ዝነበረ ህዝቢ ከምዘይጠርጠረ ሒደት መንእሰያት ግን ጽግዕ ኢሎም ንሱ’ዩ ክብሉ ምስ ጀመሩ ህዝቢ ብጉያ ክስዕብ ከምዝጀመረን እታ መኪና ክትንቀሳቀስ ከምዘይአለት ተገሊጹ’ሎ።

አቶ አንዳርጋቸው ትማሊ ክፍትሑ ትጽቢት ከምዝነበረን ዘይተፈትሕሉ ምክንያት ድማ ዓቃቢ ሕጊ ይቅሬታ ጌርና አለና ይበል እምበር ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ሰነድ ብዘይምልአኹ ምንባሩ’ዩ ተነጊሩኒ ክብሉ’ውን ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዋና ጸሓፊ ግንቦት 7 አቶ አንዳርጋቸው ጽጌ ተፈቲሖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:01 0:00

XS
SM
MD
LG