ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኩነታት ክልል ትግራይ ከምዘሻቕሎም ገሊጾም


ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተርዝ ኩነታት ክልል ትግራይ ኣዚዩ ከምዘሻቐሎም ገሊፆም።ወሃቢ ቃሎም ስቴፋን ዱጃሪክ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ እቶም ዋና ፀሓፊ ንኣገዳስነት ምሕዝነት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ብምግላፅ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኩሎም ዝተጎድኡ ሰባት ኣብታ ሃገር ብዘሎ ጉጅልኦም ክስራሕ ብርቱዕ ኣገዳስነት ከምዝህብዎ ገሊጾም ኣለው።

ሰብኣዊ ኩነታት ንምምሕያሽን ኣብ ሓደጋ ንዝርከቡ ኣድላይ ሓለዋ ንምሃብን ቀፃሊ ህፁፅ ስጉምቲ ምውሳድ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ ኣለው።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ፣ ኣብ ትሕቲ ዋና ፀሓፊ ሓላፊ ድሕንነትን ውሕስነትን ጊልስ ሚቻውድን ፈፃሚ ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ሚስለይን ሓዊሱ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካየድዎ ኣወንታዊ ፅምዶ ብሓጎስ ከምዝተቐበሉዎ ገሊፆም።

እቶም ወሃቢ ቃል እዞም ፅምዶታት እዚኦም ዝተኻየዱ ኣብ ክልል ትግራይ ኮነ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ መነባብርኦም ንዝተመዛበሉን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንዝርከቡ ዝተጎድኡ ሰባት ዝበጽሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ነባሪ ብዝኾነ ዘይሻራዊ መንገዲ ብዘይዕንቅፍት ክበጽሕ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ብዝገበርዎ ጻውዒት ምዃኑ እቲ መግለጺ ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG