ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶኒ ጉተርስ ለገስቲ ኣብ ኮንጎ ንዝተራእየ ሕማም ለበዳ ኢቦላ ንምቅላስ ዝአተውዎ ቃል ከኽብሩ ጸዊዖም


ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተርስ ለገስቲ ኣብ ኮንጎ ንዝተራእየ ሕማም ለበዳ ኢቦላ ንምቅላስ ሓገዝ ንምሃብ ዝአተውዎ ቃል ከኽብሩ ጸዊዖም።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ኣብ ኮንጎ ንዝርከብ ሓደ ማእከል ሕክምና ኢቦላ ድሕሪ ምብጽሖም ድሕሪ ሓደ መዓልቲ’ዮም ነቲ ለበዳ ኢቦላ ንምቅላስ ምሕጽንታ ዘቕርቡ።

“ብመጀመርያ ንኢቦላ ብዝምልከት ለገስቲ ሃገራት ዝአተውዎ ቃል ነቲ ክሳብ መወዳእታ’ዚ ዓመት ምስቲ ዘድልየና ከምዝከይድ ኣፍልጦ ክንህበሉ አለና። ዝተአተወ ቃል ክትግበር ኣለዎ። ክሳብ ሕጂ ካብቲ ክሳብ’ዚ መወዳእታ ዓመት ዘድልየና 15 ሚእታዊት ጥራይ ኢና ተቐቢልና ዘለና”ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG