ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶኒ ጉተረስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ምሕጽንታ ኣቕሪቦም


ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶኒ ጉተረስ
ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶኒ ጉተረስ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብ መጀመሪያ ኣትሒዞም ፅምዶ ከካይዱ ምጽንሖምን ምስ መራሒ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ክዘራረቡ ንማርቲን ግሪፊስ ብምልኣኽ ኣብ ሰለስተ ጉዳያት ሓያል ምሕፅንታ ከምዘቕረቡን ገሊፆም።

ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ነባሪ ቶኽሲ ደው ንምባል ብዘይውዓል ሕደር ተፃብኦ ምቁራፅበቲ ግጭት ናብ ዝተሃሰዩ ኩሎም ከባቢታት ምሉእ ተባፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክረጋግፅን ሱር ናይቲ ግጭት ንምፍታሕ ልዝብ ምክያድ ክጅመርን ዝብሉ ምዃኖም ሓቢሩ።

ይኹን እምበር እቲ ምሕፅንታ ምሉእ ኣወንታዊ መልሲ ኣይረኸበን ዋላ እውን መራሒ ህወሓት ንዕኦምን ንመራሒ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራትን ደብዳበ እንተላኹ ኢሎም።

ጉተረዝ ፅምዶና ክቕፅል እዩ ምስ በሉ ንተበግሶታት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምሉእ ንድግፍ ኢና አውን ኢሎም።ንተበግሶታት ኣመሪካን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን እውን ይከታተሉዎ ከምዘለው ብምግላፅ እቲ ኵናት ደውው ክብል ኣለዎ፤ትርጉም ኣልቦ እዩ ብወታሃደራዊ ኣይፍታሕን :ክልቲኦም ወገናት ብወታደራዊ ከምዘይፍታሕ ገና ኣይተረድኡን ኢሎም።

ንሶም ኢትዮጵያዊያን ፀገማቶም ንምፍታሕ ብሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣካላትን ዝሕገዝን ብኢትዮጲያዊያን ዝመራሕን ልዝብ ክካየዱ ኣለዎም ኢሎም።

ኢትዮጵያዊያን ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ክሳቐዩ ምርኣይ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ ዘለው ከባቢታት እውን ልቢ ዝሰብር እዩ ኢሎም።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ወሲኾም ምርግጋእን ሓድነትን ኢትዮጵያ ንናይቲ ዞባ ህድኣትን ሓድነትን ኣዚዩ ኣገዳሲ ዓንዲ ምዃኑ ክንግዘብ ኣለና፤እዚ ግጭት ካብ ዶባት ኢትዮጵያ ዝሰገረ ፅልዋ ክህልዎ ስለዝኽእል ኣዚዩ ዘሻቕለና ጉዳይ እዩ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG