ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት: 'ንከተማ መቐለ ተቆጻጺረ:ብህዝቢ ዝተመረጸ መንግስቲ ኸአ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ' ኢሉ:: ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ መግለጺ ሂቦም


Mekelle
Mekelle

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉታረዝ ኣብ ጉዳይ ትግራይ መግለፂ ኣውፂኦም።

እቶም ዋና ጸሓፊ ብዂናት ዝፍታሕ ሽግር የለን ድሕሪ ምባሎም፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረቡን ነቲ ቅልውላው ንምህዳእ ድማ እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ተስፋ ከም ዝሃቡዎን ሓቢሮም።

እቶም ዋና ጸሓፊ ኣብ መግለጺኦም፡ ሰላማዊ ህዝቢ ከይትንከፍ ስምዕተኦም ድሕሪ ምክፋል ነቶም ሓገዝ ዝደልዩ ወገናት ድማ ብቕልጡፍ ክሕገዙን ነቲ ቅልውላው ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉን ምሕባሮም ገሊጾም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኸኣ ሓረስታይ ንኽሓርስ እዋን ክረምቲ ክሳብ ዝሓልፍ በይናዊ ብዘይቅድመ ኹነት ተኹሲ ጠጠው ኣቢልና ኢሉ’ሎ። እዚ ዝብል ዘሎ ህወሓት "መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ ኣትያ’ላ ብህዝቢ ዝተመርፀ መንግስቲ ትግራይ ድማ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ’ሎ" ክብል ብወሃቢት ቃሉ ወ/ሮ ልያ ካሳ ብድምፂ ወያነ ኣቢሉ ገሊጹ'ሎ።

XS
SM
MD
LG