ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተአወጀ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከምዘተሓሳስቦም ተሓቢሩ


ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ስቲቨን ዲጃሪክ
ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ስቲቨን ዲጃሪክ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ግጭትን ምዕባለታትን ከምኡ'ውን ዝተአወጀ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከምዘተሓሳሰቦም ወሃቢ ቃሎም ስቲቨን ዱጃሪክ ይገልጹ።


"ምርግጋእ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ድማ እቲ ዞባ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ'ዩ ዘሎ:" ስለዝኾነ ድማ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ደጊሞም ንምቁራጽ ተጻብኦታት: ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝን ህጹጽ ናይ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ክባጻሕ: ነቲ ቀውሲ ንምፍታሕን ንሰላምን ምርግጋእን'ታ ሃገር መሰረት ንምንባር ኩሉ ሓቖፍ ሃገራዊ ዘተ ክካየድ ይጽውዑ::

XS
SM
MD
LG