ዋሽንግተን —
ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ምዕባለታት ዝተሓተተ ወሃቢ ቃል ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ቅትለት ህቡብ ደራፋይ ሃጫሉ ሁንደሳ ንዘሎ ምዕባለታት ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎ ብምሕባር፥ ንስድራ ቤት ሃጫሉን በቲ ጎንጺ ኣዝማዶምን ንዝተጎድኦምን ጽንዓት ይሃብኩም ምባሉ ገሊጹ።
ኢትዮጵያ ነቶም ንፈጸምቲ’ቲ ቕትለት ብቕልጡፍ ናብ ፍትሒ ክቐርቡ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ`ውን ዋና-ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተርዝ ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ወሃቢ ቃሉ ስተፈን ዱጃሪክ ኣፍሊጡ`ሎ።
ኩሉም ዝምልከቶም ወገናት`ታ ሃገር`ውን ክሃድኡን ውጥረት ካብ ዘተባብዕ ተግባራት ክቑጠቡን ኣንቶንዮ ጉተረዝ ጸዊዑ`ሎ።