ዋሽንግተን —
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ኣመሪካን ቻይናን ዝሑል ኩናት ከይፍጠር ኣጠንቂቑ።
ኣንተንዮ ጉተረዝ፡ እዚ ኣብ መንጎ ክልተ ዝዓበያ ሃገራት ዝርአ ዘሎ ዘይጥዑይ ምሕዝነት ናብ ካልኦት ሃገራት ዓለም`ውን ከይልሑቕ ኣጠንቂቑ`ሎ።
ብዛዕባ`ዚ ኣብዚ ወርሒ`ዚ ዝካየድ ሓፈሻዊ ዋዕላ ዝተዛረበ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ሎሚ ኣብ መንጎ`ዘን ኣብ ዓለም ብቁጠባ ዝዓበያ ሃገራት ኣመሪካን ቻይናን ንርእዮ ዘለና ነገር ተጻራርነት`ምበር ዝሰርሕ ምሕዝነት ኣይኮነን ኢሉ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ምስ ኣሶሸይትድ ፕረስ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ .እዘን ኣብ ቫይረስኮሮና ኣብ ንግድን ተክኖሎጅን ከምኡ ክሊማ ዘይቃደዋ ዘለዋ ቻይናን ኣመሪካን፡ ነዚ ዓለም ኣብ ክልተ ደምበ ከይመቕልኦ የስግእ`ዩ ኢሉ ።
ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ ዝሑል ኩናት ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን ኮይኑ ኣብ 1991 ምስ ምፍራስ ሩስያ ከም ዘኽተመ ይፍለጥ።