ትማሊ ኣብ ልዕሊ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዝኾኑ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ድሕሪ ዝተቃለሀ ወቀሳ ሕቶ ዝቀረበሉ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ግብረ መልሲ ሂቡ።
ሚስተር ስተፈን ያሪክ ኣብ’ቲ ትማሊ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ "ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ ዶ/ር ቴደሮስ አድሓኖም ሙሉእ እምነት አለዎም፣ ዶ/ር ቴድሮስ፣ ኣብነታዊ ዓለምለኻዊ ኣገልጋሊ እዮም" ኢሉ።
"ዶ/ር ቴድሮስ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝመርሐሉ ኣገባብ ተዓዚብናዮ ኢና። ንሱ፣ ኣብ እዋን ኢቦላ፣ ኮቪድ፣ እዋናት ህጹጽ ጊዜን፣ ቅድሚ ኩሉ ዓለምለኸ ህጹጽ ጥዕና ከጓንፍ ከሎ ትኩር ሰብ ኮይኑ ኢና ረኺብናዮ" ከምዝበለ ነቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተለት ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጻ።
ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብግዲኦም ኣብ ዝፈነውዎ ትዊተር "በቲ ኣብ ዓደይ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ቅስመይ ተሰይረ ኣለኹ፣ ኩሎም ወገናት ንሰላም ንክጽዕሩን ጥዕናዊ ኣገልግሎትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ናብ ተጸበይቲ ንክባጻሕ ንከሕግዙ መጸዋዕታይ ኣቅርብ" ኢሎም።
ዶ/ር ቴድሮስ: ሞት ሰላማዊያን ሰባትን ብርክት ዝበሉ ካልኦትን ናብ ሱዳን ይስደዱ ከምዘለው ብምስማዐይ ተሰናቢደ እየ ዝበሉ ፣ ኣብ እዋን ለበዳ ምዃኑ ድማ ብዛዕባ ጥዕናኦም ዝያዳ ዘሻቅል እዩ ኢሎም።