ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ: ንተበግሶ ሕ/ኣፍሪቃ ንልዝብ ሰላም​ ኢትዮጵያ​ ድጋፎም ገሊጾም 


ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት አንቶንዮ ጉተረዝ፣ ነቲ ብኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ስይርል ራማፎዛ ዝተበገሰ ልዝብ ሰላም ኢትዮጵያ ሙሉእ ድጋፍ ከምዝገብርሉ ገሊጾም።

ኣንቶንዮ ጉተረዝ ‘ኩሎም ኣብ’ቲ ውግእ ይሳተፉ ዘለው ሓይልታት ነዚ ዕድል’ዚ ንክጥቀሙሉን እቲ ውግእ ንከህድእዎን’ ጸዊዖም ኣለው።

ኣብ እዋን ምምሕዳር በራክ ኦባማ ኣብ ጉዳያት ፖሊሲ ወጻኢ ዝነጠፉ ቤን ሮድ ብወገኖም ‘ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ክቅጽል ዝኽእል ውግእ ኣትሒትካ ምርኣይ ዘለዎ ሓደጋ’ ገሊጾም። ‘ኢትዮጵያ ነዚ መልእኽቲ’ዚ ክተስተብህለሉ፣ ነቲ ውግእ ደው ክተብሎ ኣለዋ፣ ልዝብ ጥራሕ እዩ መፍትሒኡ’ ኢሎም።

ንሶም ዘቃልሕዎ መልእኽቲ ብሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ’ውን ተደጊሙ እዩ። ንሶም ዝሓለፈ ሰሙን ክዛረቡ ከለው "ሽምግልና ረባሒ ክኾን ከሎ፣ ማለተይ፣ ክልቲኦም ወገናት ድልየት ምስ ዘርእዩ፣ ኣሜሪካ፣ ሽዑ ንሽዑ ኣብ’ቲ ቦታ ኣላ"፣ ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ግና ኢሎም ቲቦር ናዥ "ሓዲኦም’ውን ድልየት የብሎምን፣ ካብ ካልኦት ንሰምዖ ግና ንሽምግልና ዝጽውዕ እዩ" ከምዝበሉ ዝዝከር እዩ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እንግሊዝ ዶሚኒክ ሱሊቫን ኣብ ዝፈነውዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮንን ተራኺቦም ከምዝዘተዩ፣ ንሶም ንኣቶ ደመቀ "ኣብ’ቲ ውግእ ዝኣተው ወገናት ፖለቲካዊ መፍትሒ ከናድዩ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ህዝቢ ዝሓልፈሉ ኣገባብ ከዳልው ነጊረዮም" ኢሎም።

XS
SM
MD
LG