ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ናብ ዋዕላ ሕ/ኣፍሪቃ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ምልኣኾም ተሓቢሩ


ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ፈርሃን ሃቅ -ፋይል
ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ፈርሃን ሃቅ -ፋይል

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ከምዘሕለፉ ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ፈርሃን ሃቅ ገሊጹ።

እቶም ዋና ጸሓፊ፣ ርክብ ሕ/ሃን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ዝሓየለ ብርኪ ከምዝርከብ፣ "ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ጊዜ ንነብር ከምዘለና፣ ሳኣን ፍትሒ፣ ዓለምለኸ ጸገም እናተፈጠረ፣ ንኣፍሪቃውያን ድማ ከቢድ ዋጋ የኽፍሎም ኣሎ" ኢሎም ።

ተቀባልነት ዘይብሉ ዘይማዕርነታዊነት፣ ንኣፍሪቃ ኣጨናኒቁ ግጭታት ይውልዕ ኣሎ፣ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን፣ ዓሌታዊን ማሕበራዊን ውጥረት እናስዐበ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዓመጽ፣ ግብረ ሽበራ፣ ወትሃደራዊ ዕልዋታትን ካልኦት ጸገማትን የስዕብ ኣሎ ኢሎም።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ መልእኽቶምኣብ መላእ ኣፍሪቃ፣ ቁጠባዊ ሕውየት፣ ክታበት ጸረ ኮቪድ19፣ ሰላምን ንክዓስል፣ ሕቡራት ሃገራት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓቢሩ ክነጥፍ እዩ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG