ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ቫይረስኮሮና ንምቅላስ ዝተዋህደ ዓለምለኸ ጻዕሪ ከምዘድልይ ሓቢሮም


ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ 20 ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት፥ ንኮቪድ ኣብ ምውጋእ ተቐራሪበን ዘይምስርሐን ዘሕዝን`ዩ ኢሉ። እቲ ለበዳ ኣብ ዝተራእየሉ እዋን ኣብ ወርሒ መጋቢት፥ እተን ሃብታማት ሃገራት ተወሃሂደን ክሰርሓ ሓሳብ ኣቕሪበ`ኳ እንተነበርኩ፥ ተቐራሪበን ዘይምስርሐን ግን ዘጣዕስ`ዩ ኢሉ።

ብዛዕባ`ቲ ንዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ተመዲቡ ዘሎ ዋዕላ ጉጅለ-20 ዝተዛረበ ጉተረዝ፡ ሕጂ`ውን እተን ሃገራት ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ሓቢርካ ምቅላስ ኣገዳሲ ምዃኑ ተረዲአን ክኾና ተስፋ እገብር ኢሉ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣተሓሒዙ ዝኾነ ዝስራሕ ክታበት፡ ከም ናይ ህዝቢ ንብረት ተቖጺሩ- ንኹሉ ዓቕሚ ዘለዎን ዘይብሉን ክፉት ክኸውን ይግባእ ኢሉ።

ብኻልእ ዜና ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ፡ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት (ሲዲሲ) ብዛዕባ ምስ ሕሙም ናይ ቀረባ ርክብ ዝብሃል ኣገላልጻ ከሊስዎ`ሎ። ምስ ኮሮና ቫይረስ ዝሓዞ ሰብ ናይ ቀረባ ርክብ ኔርዎ ዝብሃል ሰብ፥ ከመይ ዝበለ`ዩ ኣብ ዝብል ክሳብ ሕጂ ዝጸንሐ መመርሒ፥ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሜትሮ፡ ን15 ደቓይቕ ብዘይ ምቁራጽ ርክብ ዝነበሮ`ዩ ዝብል`ዩ ኔሩ።

ሕጂ ግን፡ እተን 15 ደቓይቕ እናተቖራረጻ`ውን፥ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት፥ ድምር 15 ደቓይቕ ምስ ፖሰቲቭ ዝኾነ ሰብ ርክብ እንተኔርዎ ክትሓዝ ይኽእል ዝብል`ዩ።

XS
SM
MD
LG