ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ምስ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ምዝርራቦም ተገሊጹ


ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን የሪክ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣህመድ ከምዝተዘራረቡ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን የሪክ ገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ትካላት ኣብ ክልል ትግራይ ንክንቀሳቀሱ ከምዝገብሩ ዝሃብዎ መረጋገጺ ከምኡ'ውን ከም ኤለክትሪክን ርክባትን ዝኣመሰለ ኣድላዪ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ንክምለሱ ዝሃብዎም መረጋገጺ ከምዝናኣዱ ተገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ውግእ ደው ንምባል ዝኣተዎ መብጽዓ ዋና ጸሓፊ ኣፍልጦ ከምዝሃቡሉ፣ ከምኡውን፣ በረራታት ትካላት ረድኤት፣ናብ ክልል ትግራይ ንክኣትዋን ሕርሻዊ ስራሓት ንምድጋፍ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቃል ከምዝኣተወሎም ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG