ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ምምላስ ጣሊባን ኣብ ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ ንዘለው ዕጡቓት ግብረሽበራዊያን ዘተባብዕ ከይከውን የጠንቅቑ


ዋና -ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ - ፋይል

ዋና -ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዞባ ሳሕል ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ግብረ ሽበራዊያን`ውን በቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ጣሊባን ናብ ስልጣን ዝተመለሰሉ ኩነታት ክተባብዑ ይኽእልዩ`ዮም ክብል ኣጠንቂቖም።

ርኡይ ሓደጋ`ሎ ዝበሉ ጉተረዝ፡ ኣብ ዞባ-ሳሕል ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐሱ ግብረ ሽበራዊያን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዘይነበሮም ሓሳብ ከምጽኡ ይኽእሉ`ዮም ኢሎም።

እቲ ዞባ ድኹም ኩርናዕ`ዩ ዝበሉ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ሎሚ ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ኣይቮሪኮስትን ጋናን ከይተረፈ ሰሊኾም ዝኣትዉ ግብረ ሽበራዊያን ኣለዉ ኢሎም።

ዋና- ጸሓፊ ጎተረዝ፡ ኣብቲ ዞባ ብሕቡራት ሃገራት ዝምወል ኣፍሪቃዊ-ሓይሊ ክምደብ ይደልዩ ምዃኖም ብምግላጽ ኣብቲ ዞባ ንጥፍቲ ዝኾነት ፈረንሳ ነቲ ሓሳብ ከምትድግፍ: ዋና መዋሊት ገንዘብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ኣመሪካ ግን ነቲ ሓሳብ ትነጽጎ`ላ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG