ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃገራት ናብ ዩክሬን ይበጽሑ


ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃገራት ናብ ዩክሬን ይበጽሑ
ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃገራት ናብ ዩክሬን ይበጽሑ

ሎሚ ሓሙስ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድይመር ዘለንስኪ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንየ ጉተርዝ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡዎም። እዚ ርክብ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘሎ እገዳ ክሕይል ኣብ እትጽውዓሉ ዘላ እዋን’ዩ። ኣመሪካ’ውን ንዝዓበየ ወታሃደራዊ፡ ሰብኣዊን ቍጠባዊ ሓገዛት ኣብ ምብጻሕ ትሰርሕ ኣላ።

ጉተረዝ ኣብ ዩክሬን ምስ ኣተዉ፡ “እዚ ኲናት ቀልጢፉ ምስ ዝውዳእ፡ ንዩክሬናውያን፡ ሩስያውያንን ምሉእ ዓለም ዝበለጸ ዜና’ዩ፡” ክብሉ ብትዊተር ጽሒፎም።

ኣቐዲሞም ምስ ፕረዚደንት ሩስያን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን እታ ሃገር ዝተዛራረቡ ጉተርዝ፡ ንሰብኣዊ ተበጻሕነትን ምኽፋት ውሑስ መስመር ንሲቪላውያን ዜጋታትን ካብቲ ቀንዲ ዛዕባ መገሻኦም’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ጽላት ጸዓት ሩስያ ኵለንትናዊ ማዕቀብ ክግበር ትጽውዕ ኣላ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካብ ሩስያ ባህሪያዊ ጋዝ ዝገዝኣ ዝነበራ ፖላንድን ቡልጋሪያን ነቲ መስርሕ ደው ከም ዘበላ ብወገን ሩስያ ዝወጸ መግለጺ ይሕብር። ሩስያ ናብዘን ክልተ ሃገራት እትልእኮ ዝነበረት ጋዝ ደው ዘበለት ብሩብል ስለ ዘይከፈላ’ዩ።

XS
SM
MD
LG