ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ህግሓኤ ነበር ኣቶ ሮመዳን መሓመድኑር ዓሪፉ


ኣቶ ሮመዳን መሓመድኑር
ኣቶ ሮመዳን መሓመድኑር

ዋና-ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ገዲም ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር ኣብ መበል 83 ዕድሚኡ ኣብ ኣስመራ ዓሪፉ።

ኣብ 1964 ናብ ቃልሲ ናጽነት ዝተጸንበረ ኣቶ ሮሞዳን፡ ኣብ 60`ታት ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቅድሚ ምፍላዮም ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንፖለቲካዊ ትምህርቲ ናብ ቻይና ካብ ዝተላእኩ ሓደ`ዩ ኔሩ።

ኣቶ ሮመዳን መሓመድኑር ክሳብ ናይ 1987 ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ከም ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ዝመርሐ ክኸውን ከሎ፡ ድሕሪኡ ሓላፊ’ቲ ኣብቲ እዋን ዝቖመ ክፍሊ ሕጊ እቲ ውድብ’ዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ’ውን ከም ሓላፊ ክፍሊ ሕጊ (ቅድሚ ሚኒስትሪ ምዃኑ) ኰይኑ ኣገልጊሉ።

ሮሞዳን፡ ቅድሚ ኣብ 1994 ካብ ህዝባዊ መዝነት ብፍቓዱ ምልቃቑ፡ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ደንካሊያ ኮይኑ ሰሪሑ። ኣቶ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ ኣብ 1994 ብፍቓዱ ካብ መዝነት ምውራዱ ከም ፍሉይነት ተራእዩ ብብዙሓት ኣድናቖት ኣትሪፍሉ`ዩ።

ኣቶ ሮሞዳን ኣቦ ሽዱሽተ ቆልዑ'ዩ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ብሕጂ ዝግለጽ ምዃኑ መንግስታዊ ሚድያ ኤርትራ ሓቢሩ`ሎ።

ብኻልእ ተዛማዲ ዜና፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዝዓረፈ ፍሉጥ ደራሲ ተስፋየ ገብረኣብ፡ ኣስኬረኑ ትማሊ ረቡዕ ኣስመራ ድሕሪ ምእታው ሎሚ ኣብ መካነ-መቓብር ሓዝሓዝ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ`ሎ።

XS
SM
MD
LG