ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ ተስፋ ዘለዎ ይመስል” ዋና ጸሓፉ ሕ/ሃገራት


ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰገን ኦብሳንጆ ብቴለፎን ድሕሪ ምዝርራቡ ብኽልተ ወገናት ናይ ሰላም ድሌት ዘሎ ይመስል ኢሉ። ጉተረዝ ነዚ ዝጠቐሰ፡ ኦብሳንጆ ናብ መቐለን ኣዲስ-ኣበባን ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ክልተ ወገናት ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ’ዩ።

እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሎሚ ዝተዘርግሐ ናይ ጽሑፍ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ምስ ዘሎ ስእነት ጸጥታ፡ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ገና ኣጸጋሚ ከም ዘሎ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ንዅላቶም ተጻባእቲ ወገናት ምእንቲ ነባሪ ሰላምን ድሕነት ሰላማዊ ህዝቢን ክሰርሑ ተማሕጺኑ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላቲን ኵሉ-ሓቆፍ ፖለቲካዊ ዘተ ከም ዝድግፍ ድሕሪ ምምልካት፡ ኵላቶም ኣካላት ነቲ ዘተ ብንጹህ ልቢን ቅሩብነት ክመጹዎ ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG