ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ድኹዒ ሩስያ ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ጋናዊያን ሓረስቶት ካልእ ኣማራጺ የናድዩ


ፋይል
ፋይል

ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ነተን ኣብ ሰደዳት እቲ ዞባ ዝተሞርከሳ ሃገራት ዋጋ ውፅኢት መግቢ ይንህረን ምህላዉ ይገልፃ ኣለዋ ። ከም ጋና ዝበላ ሃገራት ዋጋ ምህርትታት ዱኽዒ ስለ ዝኸበረን ሓረስቶት ካልእ ከባብያዊ ኣማራፂ ክጥቀሙ ሰበስልጣናት የተባብዑ ኣለዉ።

ወናኒት ሕርሻ ካካዎ ዝኾነት ግሬስ ኣዮህ ኣትክልታ ፍረ ከፍሪ እኳ እንተጀመረ ዕብየቱ ንምቅ፟ፃል ግን ዱኽዒ ከምዘድልዮ ትገልፅ ። ይኹን እምበር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈፀመቶ ወራር ሕፅረት ዱኽዒ ንኽስዕብን እቲ ዝተረኽበ'ውን ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበሮ ዋጋ ብሓሙሽተ ዕፅፊ ምውሳኹ ትዛረብ ።

"ማይ ይሃርም ኣሎ ድዅዒ ንጥቀመሉ ትክክለኛ ሰዓት እዩ። ግዜ ይኸደና ኣሎ ካብ መንግስቲ ይኹን ካብ ዕዳጋ ድዅዒ ኽንረክብ ኣይከኣልናን። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ገሊኦም ሓረስቶት ዱኽዒ ደርሆ ተጠቂ፟ሞም ፅቡቕ ምህርቲ ኸም ዚረኽቡ ሰሚዕና ኢና። ስለዚ ክንፍትኖ ወሲንና ኣለና።"

ሩስያ ኣብ ዓለም ካብቶም ቀንዲ ሰደድ ዱኽዒን እታወትን ዝገብራ ሃገራት እያ። ከምኡ'ውን ነታ ኣብ ዓለም ብሰደድ ካካዋ ካልአይቲ ሃገር ጋና ቀንዲ ኣቕራቢት ዱኽዒ እያ ። ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብረ ክልከላታት ካብታ ሃገር ዝግበር ዕድጊ ዘይከኣል ገይሩዎ ይርከብ። ወሃቢ ቃል ቦርድ ካካዎ ጋና ፊፊ ቦኣፎ ዋጋ ድዅዒ ካብቲ ዘለዎ ክውስኽ ይኽእል ከምዝኽእል ይገልጹ።

" ቦርድ ካካዎ ኣብዚ እዋን ዝገብሮ ዘሎ ነቶም ሓረስቶት ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዝርከብ መተካእታ ድኹዒ ደርሆ የፋልጦም ኣሎ። እዚ ኸኣ ነቲ ብናህሪ ዋጋን ብቀ፟ሊሉ ዘይምርካብን ዝበሉ ኣብ ልዕሊ ኢንዱስትሪና ዕንቅፋት ዝከውን ዘሎ ፀገም ከጉድልኸም ዚኽእል እዩ እምነትና።"

ንሶም ወሲኾም ዱኽዒ ደርሆ ምጥቃም ዝለዓለ ንጥረ ነገር ዘለዎን ፅቡቅ፟ መተካእታ ክከውን ከምዝኽእል ብሳይንስ ዝተረጋገፀ ብምዃኑ እቶም ኣትክልቲ ናብ ሓደጋ ስጋብ ዝወድቁ ምፅባይ ከምዘየድሊ ወሲኾም ሓቢሮም ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ በወገኑ በብኸባቢኡ ማዕከናት ዱኽዒ ብምህናፅ ሕፅረት ንምቅ፟ራፍ ይፅዕር ምህላዉ ይገልፅ ።ምኽትል ሚኒስትር ሕርሻ ዝኾኑ ያው ፍሪምፖንግ አዶ

“በብኸባቢኡ እዚ ናይ ዱኽዒ መከፋፈሊ ቦታ ኣሎ። እቲ ዝተኣከብ ናይ ተፈጥሮ ድኹዒ ምስመፀ ምስ ንእሽተይ ሰብ-ሰርሖ ዱኽዒ ንሓውሰሉ እሞ ናብ ሓረስቶት ክቀ፟ርብ ንገብሮ ። ከምኡ ኢና ንሕና ብደረጃ ሃገር ንሰርሓሉ ዘለና።”

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ እታ ዝለዓለት መቅ፟ረቢት ስርናይ ዓለም ዝኾነት ዩክረን ዝወለዐቶ ኲናት ዋጋታት ክውስኽን ንውሕስና መግቢ ንሓደጋ አቓሊዕዎ ይርከብ ። ትካል ገንዘብ ዓለም ብወገኑ ድኻታት ሃገራት ኣፍሪቃ ትሕቲ ሰሃራ ስጋብ ሐጂ ገና ለበዳ ኮቪድ19 ኣብ ልዕሊ ቁጠበአን ዘስዓቦ ማህሰይቲ ኣይተመልሰን። ይኹን እምበር ሚኒስትሪ ሕርሻ ጋና ግን ብተፈጥሮኣዊ ዱኽዒ ሕርሻ ምትክኡ ቅልውላው መግቢ ክቅ፟ርፍ ዝኸእልን ንመፃኢ'ውን ንኸባቢ ክጠቅም ዝኽእል እዩ ዝብል ልዑል እምነት ኣለዎ ።

XS
SM
MD
LG